ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 5:1-12

ትሕዝቶ

  • የሆዋ፡ መዕቈብ ጻድቕ

    • ኣምላኽ እከይ ይጸልእ (4, 5)

    • “ብጽድቅኻ ምርሓኒ” (8)

ንኣላዪ ብነሒሎት።* ናይ ዳዊት መዝሙር። 5  ኦ የሆዋ፡ ናብ ቃላተይ ጽን በል፣+ ናብ እህህታይ ኣድህብ።   ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን፡ ናባኻ እየ ዝጽሊ እሞ፡ ናብ ኣውያተይ ኣቕልብ።   ኦ የሆዋ፡ ንግሆ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣+ ንግሆ ሓሳበይ ክገልጸልካ፡+ ብሃንቀውታ ኸኣ ክጽበየካ እየ።   ንስኻስ ብእከይ ባህ ዚብለካ ኣምላኽ ኣይኰንካን፣+ ክፉእ ምሳኻ ኣይጸንሕን እዩ።+   ዕቡይ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቀውምን እዩ። ንዅሎም ገበርቲ እከይ ትጸልኦም ኢኻ፣+   ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም ኢኻ።+ የሆዋ ንዓመጽትን ንመታለልትን ይፍንፍኖም* እዩ።+   ኣነ ግና ሳላ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ዓብዪ ፍቕርኻ፡+ ናብ ቤትካ ኽኣቱ፡+ ብፍርሃት* ድማ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።+   ኦ የሆዋ፡ ብምኽንያት ጸላእተይ፡ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣ መገድኻ ጽረገለይ።+   ዚብልዎ ዘበለስ ዚእመን ኣይኰነን፣ ኣብ ውሽጦም ሕሰም ጥራይ ኣሎ፣ ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብልሳኖም ይሽሕጡ።*+ 10  ግናኸ፡ ኣምላኽ ይዅንኖም፣ ተንኰሎም የውድቖም።+ ካባኻ ዓልዮም እዮም እሞ፡ ብብዝሒ ኣበሳኦም ይሰጐጉ። 11  ኵሎም እቶም ኣባኻ ዚምዕቈቡ ግና ኪሕጐሱ፡+ ወትሩ እውን እልል ኪብሉ እዮም። ንስኻ ትጋርዶም ኢኻ፣ ንስምካ ዚፈትውዎ ድማ ብኣኻ ኺሕጐሱ እዮም። 12  ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ንጻድቕ ዘበለ ትባርኽ ኢኻ፣ ከም ብዓብዪ ዋልታ ኸኣ፡ ብተቐባልነት ትኸብቦ ኢኻ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንመፍሰሲ ደምን ንመታለልን ይፍንፍኖ።”
ወይ፡ “ብኣኽብሮት።”
ወይ፡ “ልዙብ ልሳን ይጥቀሙ።”