ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 49:1-20

ትሕዝቶ

  • ብሃብቶም ዚእመኑ ዓያሹ እዮም

    • ሰብ ንኻልእ ሰብ ኪብጀዎ ኣይክእልን (7, 8)

    • ኣምላኽ ካብ መቓብር ይብጆ (15)

    • ሃብቲ ኻብ ሞት ኣየድሕንን (16, 17)

ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር። 49  ኣቱም ህዝቢ ዅልኹም፡ እዚ ስምዑ። ኣቱም ነበርቲ ዓለም* ኵልኹም፡ ጽን በሉ፣   እወ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡*ሃብታማትን ድኻታትን ብሓባር ጽን በሉ።   ኣፈይ ጥበብ ክትዛረብ፡ምስትንታን ልበይ+ ከኣ ምስትውዓል ኬውስእ እዩ።   ናብ ምስላታት ከቕልብ፡ሕንቅሕንቅሊተየይ ብመሰንቆ* ኽገልጽ እየ።   ብእከይ* እቶም ኪግልብጡኒ ዚደልዩ ተኸቢበ ኸለኹ፡ብግዜ ሽግር ስለምንታይ እየ ዝፈርህ፧+   እቶም ብጥሪቶም ዚእመኑ፡+ብብዝሒ ሃብቶም ድማ ዚምክሑ፡+   ዋላ ሓዲኦም ንሓዉ ኺብጀዎ፡ወይ በጃ ንኣምላኽ ኪህበሉ ዚኽእል የልቦን፣+   (ዋጋ በጃ ህይወቶምሲ* ኣዝዩ ኽቡር ብምዃኑ፡ወትሩ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ)፣   ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጕድጓድ* እውን ከይርእስ፡ እዚ ኺገብረሉ ዚኽእል የልቦን።+ 10  ንሱስ ጥበበኛታት እኳ ኸም ዚሞቱ፡ዓሻን ዘይሓስብን ብሓባር ከም ዚጠፍኡ፡+ጥሪቶም ድማ ንኻልኦት ከም ዚሓድጉሎም ይርኢ።+ 11  ኣባይቶም ንዘለኣለም፡ድንኳናቶም ንውሉድ ወለዶ ኺነብር ብውሽጦም ይምነዩ። ንምድሮም በብስሞም ሰምዮምዎ ኣለዉ። 12  ሰብ ግና ዋላ እኳ ዚኽበር እንተ ዀነ ኣይነብርን እዩ፣+ካብ ዚጠፍኡ እንስሳታት ኣይሓይሽን እዩ።+ 13  እዚኣ መገዲ ዓያሹን+መገዲ እቶም በቲ ባዶ ቓላቶም ባህ ኢልዎም ዚስዕብዎምን እያ። (ሴላ) 14  ከም ኣባጊዕ ናብ መቓብር* ተመዲቦም እዮም። ሞት ኪጓስዮም እዩ፣ንግሆ፡ ቅኑዓት ኪገዝእዎም እዮም።+ ኵሉ ኣሰሮም ኪጠፍእ እዩ፣+ኣብ ክንዲ ምዕሩግ ቤት ድማ፡ መቓብር*+ ቤቶም ኪኸውን እዩ።+ 15  ግናኸ፡ ኣምላኽ ኪሕዘኒ እዩ እሞ፡ካብ ኢድ መቓብር* ኪብጀወኒ* እዩ።+ (ሴላ) 16  ሰብ ስለ ዝሃብተመ፡ግርማ ቤቱ ድማ ስለ ዝወሰኸ፡ ኣይትፍራህ፣ 17  ምስ ሞተስ፡ ገለ እኳ ኺማላእ ኣይክእልን እዩ፣+ግርማኡ ምስኡ ኣይወርድን እዩ።+ 18  ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንርእሱ፡* ‘እንቋዕ ሓጐሰኪ’ ይብላ።+ (ሰባትሲ ምስ በልጸግካ ይውድሱኻ እዮም።)+ 19  ኣብ መወዳእታ ግና፡ ምስ ወለዶ ኣቦታቱ ይጽምበር። ንሳቶምሲ ብርሃን ከቶ ኣይርእዩን እዮም። 20  እቲ ነዚ ዘይርድኦ ሰብ፡ ዋላ እኳ ዚኽበር እንተ ዀነ፡+ካብ ዚጠፍኡ እንስሳታት ኣይሓይሽን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እቲ ስርዓት።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ኣዳምን ደቂ ሰብን።”
ወይ፡ “ብኽራር።”
ቃ.ቃ.፡ “ብስሕተት።”
ወይ፡ “ነፍሶምሲ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኪብጀዋ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”