ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 48:1-14

ትሕዝቶ

  • ጽዮን፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ

    • ሓጐስ ኵላ ምድሪ (2)

    • ነታ ኸተማን ንግምብታታን መርምሩ (11-13)

ማህሌት። ናይ ደቂ ቆራሕ መዝሙር።+ 48  ኣብ ከተማ ኣምላኽና፡ ኣብ ቅዱስ ከረኑ፡ የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ።   ኣብ ርሑቕ ሰሜን ዘላ ኸረን ጽዮን፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡+ ብልዕልናኣ ጽብቕቲ፡ ሓጐስ ኵላ ምድሪ እያ።+   ኣብ እተዓርደ ግምብታታ፡ ኣምላኽ እምባ* ምዃኑ ኣፍሊጡ።+   እንሆ፡ ነገስታትሲ ተኣኪቦም፣* ሓቢሮም ከኣ ገስጊሶም።   ምስ ረኣይዋ፡ ተደኒቖም። ሰምቢዶም፡ ተሸቢሮም ድማ ሃዲሞም።   ኣብኡ ራዕዲ፡ ከም ናይ እትወልድ ሰበይቲ ዝበለ ቕልውላው ሒዝዎም።   ንስኻ ብንፋስ ምብራቕ ንመራኽብ ተርሲስ ትሰባብረን።   ነቲ ዝሰማዕናዮ፡ ኣብ ከተማ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ከተማ ኣምላኽና ባዕልና ርኢናዮ። ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬጽንዓ እዩ።+ (ሴላ)   ኦ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስካ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣጸቢቕና ሓሲብና።+ 10  ኦ ኣምላኽ፡ ውዳሰኻ ኸም ስምካ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ይበጽሕ።+ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ።+ 11  ስለ ፍርድታትካ፡ ከረን ጽዮን+ ትተሓጐስ፣ ዓድታት* ይሁዳ እውን ይተሓጐሳ።+ 12  ንጽዮን ዙርዋ፣ ንዅላ ዅለልዋ፣ ግምብታታ ቝጸሩ።+ 13  ልብኹም ናብቲ ዕርድታታ ኣቕንዑ።+ ንዚመጽእ ወለዶታት ብዛዕባኡ ኽትነግሩስ፡ ንእተዓርደ ግምብታታ መርምርዎ። 14  እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ።+ ንሱ ንሓዋሩ* ኺመርሓና እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢ።”
ወይ፡ “ብቘጸራ ተራኺቦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዋልድ።”
ወይ፡ “ኽሳዕ እንመውት” ኪኸውን ይኽእል።