ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 47:1-9

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽሲ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ

    • ‘የሆዋ ዜፍርህ እዩ’ (2)

    • ንኣምላኽ ውዳሰ ዘምሩሉ (6, 7)

ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር። 47  ኣቱም ህዝብታት ኵልኹም፡ ብኣእዳውኩም ኣጣቕዑ። ንኣምላኽ እልል እናበልኩም ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።   የሆዋ፡ እቲ ልዑልሲ፡ ዜፍርህ እዩ፣+ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ።+   ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና የምበርክኾም፣ንኣህዛብ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና ይገብሮም።+   ነቲ ሓበን እቲ ዜፍቅሮ ያእቆብ፡+ማለት ነቲ ርስትና ይሓርየልና።+ (ሴላ)   ኣምላኽ ብእልልታ፡የሆዋ ብደሃይ መለኸት* ዓሪጉ።   ንኣምላኽ ውዳሰ ዘምሩሉ፡* ዘምሩሉ። ንንጉስና ውዳሰ ዘምሩሉ፡ ዘምሩሉ።   ኣምላኽሲ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ፣+ውዳሰ ዘምሩ፡ ልቦና ኸኣ ግበሩ።   ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ነጊሱ።+ ኣምላኽ ኣብቲ ቕዱስ ዝፋኑ ይቕመጥ።   መራሕቲ ህዝብታትምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ተኣኪቦም። ገዛእቲ* ምድርስ ናይ ኣምላኽ እዮም። ንሱ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቀርኒ ድዑል።”
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዋልታታት።”