ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 46:1-11

ትሕዝቶ

  • ‘ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ’

    • መስተንክር ተግባራት ኣምላኽ (8)

    • ኣምላኽ ንውግእ ኣብ ኵላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ (9)

ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ ብቕዲ ዓለሞት።* መዝሙር። 46  ኣምላኽ መዕቈቢናን ብርታዐናን+ ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤትን እዩ።+   ስለዚ፡ ምድሪ እኳ እንተ ተለወጠት፡ ኣኽራን እኳ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተገልበጡ፡+   ማያቱ እኳ እንተ ተናወጸን እንተ ዓፈረን፡+ ኣኽራን እኳ ብሰንኪ ነውጹ እንተ ኣንቀጥቀጡ፡ ኣይንፈርህን ኢና። (ሴላ)   ነታ ቕድስቲ ዓባይ ማሕደር እቲ ልዑል ዝዀነት ከተማ ኣምላኽ+ ዜሐጕስ ወሓይዝ ዘለዎ ፈለግ ኣሎ።   ኣምላኽ ኣብታ ኸተማ ኣሎ፣+ ኣይክትግልበጥን እያ። ኪወግሕ ከሎ፡ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።+   ኣህዛብ ረቢሾም፡ መንግስትታት ተገልቢጠን፣ ድምጹ ዓው ምስ ኣበለ ኸኣ፡ ምድሪ መኺኻ፣+   የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና* እዩ። (ሴላ)   ንዑ፡ ተግባራት የሆዋ፡ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ መስተንክር ነገራት ርኣዩ።   ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።+ ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት* ብሓዊ የንድዶ። 10  “ስዩም በሉ፡ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ፍለጡ። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ልዕል ክብል፡+ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።”+ 11  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።+ (ሴላ)

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢና።”
ወይ፡ “ንዋልታታት” ኪኸውን ይኽእል።