ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 45:1-17

ትሕዝቶ

  • መርዓ እቲ እተቐብአ ንጉስ

    • ጥዑም ዝዘረባኡ (2)

    • “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ” (6)

    • ንጉስ ንጽባቐ እታ መርዓት ይብህጎ (11)

    • ደቁ ኣብ ኵላ ምድሪ መሳፍንቲ ይዀኑ (16)

ንኣላዪ፣ ብ“ሹሻን።” ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መስኪል።* ናይ ፍቕሪ መዝሙር። 45  ልበይ ብጽቡቕ ነገር ይለዓዓል ኣሎ። “መዝሙረይ* ብዛዕባ ንጉስ እዩ” እብል።+ ልሳነይ ከም ብርዒ+ ኽኢላ ቐዳሒ* ትኹን።+   ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ። ካብ ከናፍርካ ጥዑም ዘረባ ይፈስስ።+ ስለዚ እዩ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዝባረኸካ።+   ኣታ ጅግና፡+ ብኽብርኻን ብግርማኻን፡+ ሰይፍኻ+ ኣብ ሕቘኻ ተዓጠቕ።   ብግርማኻ ኸኣ ናብ ዓወት* ኪድ፣+ ምእንቲ ሓቅን ትሕትናን ጽድቅን ተወጣሕ።+ የማነይትኻ ዜፍርህ ነገራት ክትገብር* እያ።   ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፣ ንህዝብታት ኣብ ቅድሜኻ የውድቓኦም፣+ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይወግኣ።+   ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣+ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና* እያ።+   ጽድቂ ፈቲኻ፡+ እከይ ከኣ ጸሊእካ።+ ስለዚ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ+ ቐቢኡካ።+   ኵሉ ኽዳውንትኻ ኸርበን ዓልወን ቃስያን* ይጨኑ፣ ካብቲ ዓብዪ ቤተ መንግስቲ ስኒ ሓርማዝ፡ በገናታት የሐጕሰካ።   ኣዋልድ ነገስታት ኣብ መንጎ ኽቡራት እመቤታትካ እየን። እታ ሰበይቲ ንጉስ* ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ቘይማ ኣላ።+ 10  ጓለየ፡ ስምዒ፡ ኣቕልቢ፡ እዝንኺ እውን ኣድንኒ፣ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። 11  ንጉስ ንጽባቐኺ ይብህጎ፣ ንሱስ ጐይታኺ እዩ እሞ፡ ስገድሉ። 12  ጓል ጢሮስ ህያብ ሒዛ ኽትመጽእ እያ፣ ካብ ሰባት እቶም ዝሃብተሙ፡ ሞገስኪ ኺደልዩ* እዮም። 13  ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ* ኣዝያ እተደንቕ እያ፣ ክዳውንታ ብወርቂ እተሰለመ* እዩ። 14  ብጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንታ* ተኸዲና ናብ ንጉስ ትመጽእ። ዚስዕባኣ ደናግል ኣዳኖታታ ኣብ ቅድሜኻ ይቐርባ። 15  ብሓጐስን ብደስታን ኪመጻ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ድማ ኪኣትዋ እየን። 16  ደቅኻ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ እዮም። ኣብ ኵላ ምድሪ ኸኣ መሳፍንቲ ጌርካ ኽትሸሞም ኢኻ።+ 17  ስምካ ንውሉድ ወለዶ ኸም ዚፍለጥ ክገብሮ እየ።+ ስለዚ እዮም ህዝብታት ንዘለኣለመ ኣለም ዚውድሱኻ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ዕዮታተይ።”
ወይ፡ “ጸሓፊ።”
ወይ፡ “ኣሳልጦ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክትምህረካ።”
ወይ፡ “ፍትሒ።”
ምስ ኦም ቃርፋ ዚዛመድ ኦም።
ወይ፡ “ንግስቲ።”
ወይ፡ “ገጽኪ ኼፈሽሕዉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ውሽጢ።”
ቃ.ቃ.፡ “ወርቀዘቦ።”
ወይ፡ “ጥሉፍ ወለል ዚብል ክዳውንታ” ኪኸውን ይኽእል።