ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 44:1-26

ትሕዝቶ

  • ረድኤት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • ‘ዘድሓንካና ንስኻ ኢኻ’ (7)

    • “ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ” (22)

    • “ረዳኢና ዄንካ ተንስእ!” (26)

ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መስኪል።* 44  ኦ ኣምላኽ፡ እቲ ቐደም ብዘመኖም ዝገበርካዮ ግብሪ፡ ኣቦታትና ኣዘንትዮምልና፡+ አብኣእዛንና እውን ሰሚዕናዮ።   ብኣእዳውካ ንኣህዛብ ሰጒጕካስ+ ንኣቦታትና ኣብኡ ኣስፊርካዮም።+ ንኣህዛብ ሓምሺሽካዮምን ሰጒጕካዮምን።+   ብኣታቶም ባህ ስለ ዝበለካ፡+ ብየማነይቲ ኢድካን ብቕልጽምካን+ ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፡ ብሰይፎም ኣይኰኑን ነታ ምድሪ ተረስትዮምዋ፣+ ቅልጽሞም እውን ኣይኰነን ዓወት ዘምጽኣሎም።+   ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ንጉሰይ ኢኻ፣+ ንያእቆብ ምሉእ ዓወት* ኣዝዝ።*   ብሓይልኻ ንተጻረርትና ኽንሰጕጎም ኢና፣+ ብስምካ ነቶም ዚለዓሉና ኽንረግጾም ኢና።+   ብቐስተይሲ ኣይእመንን እየ፣ ሰይፈይ እውን ከተድሕነኒ ኣይትኽእልን እያ።+   ካብ ተጻረርትና ዘድሓንካና፡+ ነቶም ዚጸልኡና እውን ዘዋረድካዮም ንስኻ ኢኻ።   ምሉእ መዓልቲ ንኣምላኽ ክንውድስ ኢና፣ ንስምካ ድማ ንዘለኣለም ከነመስግን ኢና። (ሴላ)   ሕጂ ግና ደርቢኻና፡ ኣዋሪድካና፡ ምስ ሰራዊትና ኸኣ ኣይትወጽእን ኣለኻ። 10  ካብ ተጻራሪና ኸም እነንሳሕብ ትገብረና ኣለኻ፣+ እቶም ዚጸልኡና ድማ ዝደለይዎ ይወስዱ ኣለዉ። 11  ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሂብካና፣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ እውን ፋሕ ኣቢልካና።+ 12  ንህዝብኻ ዳርጋ ብጥራዩ ሼጥካዮ፣+ ካብቲ መሸጣ* ኸኣ ሓንቲ እኳ ኣይከሰብካን። 13  ንጐረባብትና መጻረፊ፡ ኣብ ዙርያና ንዘለዉ ድማ መላገጽን መባጨውን ጌርካና። 14  ኣብ መንጎ ኣህዛብ መመሰሊ፡+ ኣብ መንጎ ህዝብታት ከኣ ርእሶም መነቕነቒ ጌርካና። 15  ምሉእ መዓልቲ ውርደት ይስምዓኒ ኣሎ፣ ብሕፍረት እውን ተዋሒጠ ኣለኹ። 16  እዚ ድማ ብሰሪ ድምጺ ባጫኦምን ጸርፎምን፡ ብሰሪ እቲ ሕነ ዚፈዲ ዘሎ ጸላኢና እዩ። 17  እዚ ዅሉ ወሪዱናስ፡ ኣይረሳዕናካን፡ ኪዳንካ እውን ኣይጠሓስናን።+ 18  ልብና ኣይዘምበለን፣ ኣሰርና ኸኣ ካብ መገድኻ ኣየላገሰን። 19  ግናኸ፡ ኣብ ሰፈር ወኻሩ* ሓምሺሽካና፣ ብብርቱዕ ጽላሎት ኣጐልቢብካና። 20  ስም ኣምላኽና እንተ ረሲዕና፡ ወይ ኢድና ብጸሎት ናብ ጓና ኣምላኽ እንተ ዘርጊሕና፡ 21  ነዝስ ኣምላኽዶ ኣይፈልጦን እዩ፧ ንሱስ ምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ።+ 22  ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ እውን ንቝጸር ኣለና።+ 23  ኦ የሆዋ፡ ተንስእ። ስለምንታይ ትድቅስ፧+ ንቓሕ! ንዘለኣለም ኣይትደርብየና።+ 24  ስለምንታይ ገጽካ ትሓብእ፧ ስለምንታይከ ጸበባናን ጭቈናናን ትርስዕ፧ 25  ናብ ሓመድ ወሪድና፣* ሰብነትና ኣብ ምድሪ ተረጊጹ።+ 26  ረዳኢና ዄንካ ተንስእ!+ ስለቲ ብተኣማንነት እትርእዮ ፍቕርኻ ኣናግፈና።*+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ዓብዪ ድሕነት።”
ወይ፡ “ሃቦ።”
ወይ፡ “ብዋጋኡ።”
ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
ወይ፡ “ነፍስና ናብ ሓመድ ወሪዳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተበጀወና።”