ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 43:1-5

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ፈራዲ ዀይኑ የናግፍ

    • “ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ” (3)

    • “ነፍሰየ፡ ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧” (5)

    • “ንኣምላኽ ተጸበይዮ” (5)

43  ኦ ኣምላኽ፡ ፍረደለይ፣+ ምስ ዘይእሙን ህዝቢ ጕዳየይ ተማጐተለይ።+ ካብ መታለልን ዓማጽን ሰብ ኣናግፈኒ።   ንስኻስ ኣምላኸይ፡ ዕርደይ ኢኻ።+ ስለምንታይ ደርቢኻኒ፧ ስለምንታይከ ብሰንኪ ጭቈና ጸላእየይ ጕህየ ዝመላለስ፧+   ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ።+ ንሳተን ይምርሓኒ፣+ ናብ ቅዱስ ከረንካን ናብ ዓብዪ ማሕደርካን ይውሰዳኒ።+   ሽዑ፡ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡+ ናብ ኣምላኽ፡ ናብቲ ብሉጽ ሓጐሰይ ክመጽእ እየ። ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኸየ፡ ብመሰንቆ* ኽውድሰካ እየ።+   ነፍሰየ፡* ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧ ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧ ዓብዪ መድሓንየይን ኣምላኸይን ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡ ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብኽራር።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።