ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 42:1-11

ትሕዝቶ

  • ዓብዪ መድሓኒ ብምዃኑ ንኣምላኽ ምውዳስ

    • እራብ ማይ ከም እትናፍቕ፡ ንኣምላኽ ምንፋቕ (1, 2)

    •  “ነፍሰየ፡ ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧” (5, 11)

    • “ንኣምላኽ ተጸበይዮ” (5, 11)

ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ መስኪል።*+ 42  እራብ ርባታት ማይ ከም እትናፍቕ፡ ኦ ኣምላኽ፡ ኣነ* እናፍቐካ ኣለኹ።   ንኣምላኽ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ እጸምኦ ኣለኹ።*+ መዓስ መጺአ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክርአ እየ፧+   መዓልትን ለይትን ንብዓተይ ቀለበይ ኰይኑ፣ ምሉእ መዓልቲ፡ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧” እናበሉ የባጭዉለይ።+   ምስ ብዙሓት እመላለስ ነይረ እየ እሞ፡ እዚ ነገራት እዚ እዝክር፡ ነፍሰይ* ድማ አፍስስ ኣለኹ፣ ብድምጺ እልልታን ብምስጋናን እቶም በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ፡ ብቑም ነገር* ቀቅድሚኦም ናብ ቤት ኣምላኽ እኸይድ ነይረ።+   ነፍሰየ፡* ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧+ ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧ ዓብዪ መድሓንየይ ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡ ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+   ኦ ኣምላኸይ፡ ተስፋ ቐቢጸ ኣለኹ።*+ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፡ ካብ ዝባን ሄርሞን፡ ካብ ከረን ሚጻር* ዝዝክረካ ስለዚ እየ።+   ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ፡ መዓሙቝ ማያት ንመዓሙቝ ማያት ይጽውዖ። ኵሉ ብርቱዕ ማዕበላትካ ውሒጡኒ።+   የሆዋ ብመዓልቲ ብተኣማንነት ፍቕሩ ይህበኒ፡ ብለይቲ ኸኣ መዝሙሩ፡—ንኣምላኽ ህይወተይ ዝጽለ ጸሎት፡—ምሳይ ይኸውን።+   ንኣምላኽ፡ ንኸውሐይ፡ “ስለምንታይ ረሲዕካኒ፧+ ስለምንታይከ ብሰንኪ ጭቈና ጸላእየይ ጕህየ ዝመላለስ፧” ክብሎ እየ።+ 10  ጸላእተይ ናብ ቅትለት ብዜብጽሕ ጽልኢ* የባጭዉለይ፣ ምሉእ መዓልቲ፡ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧” እናበሉ የባጭዉለይ።+ 11  ነፍሰየ፡* ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧ ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧ ዓብዪ መድሓንየይን ኣምላኸይን ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡ ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ትጸምኦ ኣላ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ቀስ ኢለ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ነፍሰይ ተስፋ ቐቢጻ ኣላ።”
ወይ፡ “ካብ ንእሽቶ ኸረን።”
ወይ፡ “ንኣዕጽምተይ ከም ዚቕጥቅጡ ዀይኖም” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።