ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 41:1-13

ትሕዝቶ

  • ካብ ዓራት ሕማም እተጸለየ ጸሎት

    • ኣምላኽ ንሕሙም ይድግፎ (3)

    • ናይ ቀረባ ብጻዩ ጠሊምዎ (9)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 41  ንትሑት ዚሓልየሉ ሕጉስ እዩ፣+ የሆዋ ብመዓልቲ መዓት ኬናግፎ እዩ።   የሆዋ ኺሕልዎን ብህይወት ኬንብሮን እዩ። ኣብ ምድሪ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።+ ናብ ፍቓድ* ጸላእቱ ኣይከተሕልፎን ኢኻ።+   የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማሙ ኺድግፎ እዩ፣+ ምስ ሓመመ፡ ንስኻ ንዓራቱ ምሉእ ብምሉእ ትልውጣ።   ኣነስ፡ “ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ።+ ኣብ ቅድሜኻ ሓጢአ እየ እሞ፡+ ኣሕውየኒ”* ኢለ እየ።+   ጸላእተይ ግና ብዛዕባይ ክፉእ ይዛረቡ፣ “መዓስ ኪመውት እዩ፧ መዓስከ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፧” ይብሉ።   ሓዲኦም ኪርእየኒ እንተ መጺኡ፡ ልቡ ሓሶት ይዛረብ። ዚብሎ ጐዳኢ ነገር ይእክብ፣ ወጺኡ ኸኣ የውርዮ።   ኵሎም እቶም ዚጸልኡኒ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽኹ፡ ክፉእ ነገር ይሓስቡለይ ኣለዉ፣   “ሕማቕ ነገር ሒዝዎ ኣሎ፣ ካብ ወደቐስ፡ መሊሱ ኣይኪትንስእን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።+   እቲ ምሳይ ሰላም ዘለዎ ኣነ ዝኣምኖ ሰብ፡+ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ ዝነበረ እኳ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዒሉ።*+ 10  ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ክፈድዮምሲ፡ ሞገስ ኣርእየንን ኣልዕለንን። 11  ጸላእየይ ብዓወት እንተ ዘይጨዲሩለይ፡ በዚ ንስኻ ብኣይ ባህ ከም ዝበለካ ኽፈልጥ እየ።+ 12  ንዓይሲ ስለ ንጽህናይ ትድግፈኒ ኢኻ፣+ ኣብ ቅድሜኻ ድማ ንዘለኣለም ከተንብረኒ ኢኻ።+ 13  የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይወደስ።+ ኣሜን፡ ኣሜን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትምኒት፣ ነፍሲ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣሕውያ።”
ወይ፡ “ኣንጻረይ ኰይኑ።”