ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 40:1-17

ትሕዝቶ

  • መወዳድርቲ ንዘይብሉ ኣምላኽ ምምስጋን

    • ግብርታት ኣምላኽ ምጽብጻቡ ዘይከኣል እዩ (5)

    • መስዋእቲ ንኣምላኽ ብቐዳምነት ዜገድሶ ኣይኰነን (6)

    • “ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ” (8)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር። 40  ብየሆዋ ብዙሕ ተስፋ ገይረ፣* ንሱ እውን እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ* ኣውያተይ ሰሚዑ።+   ድዋሕዋሕ ካብ ዚብል ጕድጓድ፡ ካብ ረግረግ ጸብሪ ኣውጺኡኒ። ንኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚምወን፣ ንስጕምትታተይ ከኣ ኣጽኒዕወን።   ንኣምላኽና ውዳሰ ዚኸውን ሓድሽ መዝሙር ድማ ኣብ ኣፈይ ኣንቢሩ።+ ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፡ ብየሆዋ ኸኣ ኪእመኑ* እዮም።   ብየሆዋ ዚእመን፡* ናብ ሕንግድ ወይ ናብቶም ናይ ሓሶት* ድማ ዘየብል ሰብ ሕጉስ እዩ።   ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ዜደንቕ ግብርታትካን ንዓና ዝሓሰብካዮ ሓሳባትካን፡ እቲ ዝገበርካዮስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ።+ ምሳኻ ኺወዳደር ዚኽእል የልቦን፣+ ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ዝፍትንሲ፡ ምጽብጻቡ ዘይከኣል ብዙሕ ምዀነ!+   መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፣*+ ኣእዛነይ ኪሰምዓ ግና ከፊትካለይ።+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይሓተትካን።+   ሽዑ፡ ኣነ ኸምዚ ኢለ፦ “እነኹ፡ መጺአ። ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ።+   ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ፣*+ ሕግኻ ድማ ኣብ ውሽጠይ እዩ።+   ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ብስራት ጽድቂ ኣበሲረ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጦ፡ እንሆ፡ ከናፍረይ ኣይገታእኩን።+ 10  ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይከወልክዎን። ተኣማንነትካን ድሕነትካን እነግር እየ። ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ሓቅኻን ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኣይሓባእኩን።”+ 11  ኦ የሆዋ፡ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ። ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕርኻን ሓቅኻን ወትሩ ይሓልዋኒ።+ 12  ምቝጻሩ ዘይከኣል መዓት ከቢቡኒ።+ መገደይ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን፡ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ስሕተተይ ውሒጡኒ።+ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሕ እዩ እሞ፡ ልበይ ጠፊኡኒ ኣሎ። 13  ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ንምድሓነይ ፍቓደኛ ኹን።+ ኦ የሆዋ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+ 14  ኵሎም እቶም ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ዚደልዩ፡ ይሕፈሩን ይዋረዱን። እቶም ብመዓተይ ደስ ዚብሎም፡ ናብ ውርደት የንሳሕቡ። 15  እቶም “ኣሰይ! ኣሰይ!” ዚብሉኒ፡ ብሰሪ ሕፍረቶም ይሰምብዱ። 16  እቶም ዚደልዩኻ ግና፡+ ብኣኻ ይፈስሁን ይተሓጐሱን።+ እቶም ግብርታት ድሕነትካ ዚፈትዉ ኸኣ፡ ወትሩ፡ “የሆዋ ይዕበ” ይበሉ።+ 17  ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣ የሆዋ ደኣ የቕልበለይ። ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ፣+ ኣምላኸየ፡ ኣይትደንጒ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንየሆዋ ብትዕግስቲ ተጸብየዮ።”
ወይ፡ “ኪሰምዓኒ ደኒኑ።”
ወይ፡ “ኪውከሉ።”
ወይ፡ “ዚውከል።”
ወይ፡ “ናብ ሓሰውቲ።”
ወይ፡ “ደስ ኣይበለካን።”
ወይ፡ “ባህገይ እዩ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”