ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 39:1-13

ትሕዝቶ

  • ህይወት ሓጻር እያ

    • ሰብ ትንፋስ ጥራይ እዩ (5, 11)

    • “ንንብዓተይ ዕሽሽ ኣይትበሎ” (12)

ንኣላዪ፣ ናይ የዱቱን።*+ ናይ ዳዊት መዝሙር። 39  “ብልሳነይ ምእንቲ ኸይሓጥእ፡ ንስጕምተይ ክሕሉ እየ።+ እኩይ ኣብ ቅድመይ ክሳዕ ዘሎ፡ ንኣፈይ ብልጓም ክሕሉ እየ” ኢለ ነይረ።+   ዓባስ ኰይነ፡ ስቕ ድማ ኢለ፣+ ብዛዕባ ጽቡቕ እኳ ኣጽቂጠ፣ ስቓየይ ግና በርቲዑ።*   ልበይ ኣብ ውሽጠይ ፈኸም ኢሉ።* ከስተንትን* ከለኹ፡ ሓዊ ይነድድ ኣሎ። ልሳነይ ከኣ ተዛሪቡ፦   “ኦ የሆዋ፡ ህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ከም ዝዀነት* ክፈልጥሲ፡ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን+ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍልጠኒ።   እንሆ፡ ንመዓልትታተይ ሒደት* ጌርካየን፣+ ንውሓት ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ገለ እኳ ኣይኰናን።+ ብርግጽ ኵሉ ሰብ ጸኒዑ ዝቘመ እኳ እንተ መሰለ፡ ትንፋስ ጥራይ እምበር ገለ እኳ ኣይኰነን።+ (ሴላ)   ብርግጽ ኵሉ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ። ንኸንቱ ሃለኽለኽ ይብል።* መን ከም ዚጥቀመሉ ኸይፈለጠ፡ ሃብቲ ይድልብ።+   ኦ የሆዋ፡ እንታይ ደኣ ተስፋ ኽገብር እየ፧ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ተስፋይ።   ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣድሕነኒ።+ መላገጺ ዓሻ ኣይትግበረኒ።   ዓባስ ኰይነ፣ እዚ ስለ ዝገበርካ ኸኣ፡+ ኣፈይ ክኸፍት ኣይከኣልኩን።+ 10  መዓትካ ኻባይ ኣርሕቕ። ኢድካ ትወቕዓኒ ስለ ዘላ፡ ደኺመ። 11  ስለ ስሕተቱ ንሰብ ብመቕጻዕቲ ትእርሞ፣+ ነቲ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነገራት ከም ብልዒ* ትበልዖ። ብርግጽ ኵሉ ሰብ ትንፋስ ጥራይ እዩ።+ (ሴላ) 12  ኣነ ንዓኻ ጓና፡+ ከም ኵሎም ኣቦታተይ ድማ ዚሓልፍ ተጓዓዚ* እየ እሞ፡+ ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ ናብ ኣውያተይ ድማ ጽን በል።+ ንንብዓተይ ዕሽሽ ኣይትበሎ። 13  ቅድሚ ምሕላፈይን ምጥፋአይን ምእንቲ ኽሕጐስሲ፡ ብቝጥዓ ኣይትጠምተኒ።”

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ተላዒሉኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ረሲኑ።”
ወይ፡ “እህህ ክብል።”
ወይ፡ “ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስፍሓት ኢድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይርብሽ።”
ግዝዋ ኣኽናፍ ቅድሚ ምውጻኡ፡ ክዳን ኣብ ዚበልዓሉ ደረጃ።
ወይ፡ “ሰፋሪ።”