ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 35:1-28

ትሕዝቶ

  • ካብ ጸላእቲ ንምድሓን እተጸለየ ጸሎት

    • ጸላእቲ ይሰጐጉ (5)

    • ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝቢ ንኣምላኽ ምውዳስ (18)

    • ብዘይ ምኽንያት ተጸሊአ (19)

ናይ ዳዊት። 35  ኦ የሆዋ፡ ምስ ተጻረርተይ ተማጐተለይ፣+ ምስቶም ዚቃለሱኒ ተቓለስ።+   ንእሽቶ ዋልታኻን* ዓብዪ ዋልታኻን ሓዝ እሞ፡+ ክትከላኸለለይ ተንስእ።+   ኣንጻር ሰጐጕተይ ኲናትካን ናይ ውግእ ፋስካን* ኣልዕል።+ “ድሕነትካ እየ” በለኒ።*+   እቶም ንህይወተይ* ዚሃድንዋ ዘለዉ ይሕፈሩን ይዋረዱን።+ እቶም ኬጥፍኡኒ ውዲት ዚኣልሙ ናብ ውርደት የንሳሕቡ።   ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ይስጐጎም።+   መልኣኽ የሆዋ ኺሰጕጎም ከሎ፡ መገዶም ጸልማትን መንደልሃጽን ይኹን።   ንሳቶምሲ ብዘይ ምኽንያት መርበቦም ብሕቡእ ኣጻዊዶምለይ፡ ብዘይ ምኽንያት ድማ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ* እዮም።   ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮም፣ እታ ብሕቡእ ዘጻወዳ መርበብ ትሓዞ፣ ናብኣ ይውደቕ እሞ ይጥፋእ።+   ኣነ* ግና ብየሆዋ ኽሕጐስ እየ፣ ብግብርታት ድሕነቱ እውን ባህ ኪብለኒ እዩ። 10  ኵለን ኣዕጽምተይ፡ “ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ንስኻ ንረዳኢ ኣልቦ ኻብቶም ካብኡ ዚሕይሉ፡+ ንረዳኢ ኣልቦን ንድኻን ካብቶም ዚዘምትዎም ኣናጊፍካ” ኺብላ እየን።+ 11  ክፉኣት መሰኻኽር መጺኦም+ ዘይፈልጦ ነገር ይሓትቱኒ። 12  ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ይፈድዩኒ፣+ ውሉደይ ከም ዝሰኣንኩ ይገብሩኒ።* 13  ግናኸ፡ ምስ ሓመሙ፡ ኣነ ማቕ ተኸዲነ፣ ጸሎተይ ብዘይ ምላሽ* ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ብጾም ገዛእ ርእሰይ* ወጺዐ። 14  ከም ንፈታውየይ ወይ ከም ንሓወይ ገይረ እናሓዘንኩ ተመላሊሰ፣ ንኣዲኡ ኸም ዝሓዘነላ ዀይነ ድማ ብጓሂ ደኒነ። 15  ንሳቶም ግና ምስ ተዓንቀፍኩ፡ ተሓጒሶምን ተኣኪቦምን፣ ኣድብዮም ኪቐትሉኒ ተኣኪቦም፣ መናጪቶምኒ፡ ስቕ ከኣ ኣይበሉን። 16  እቶም ኣምላኽ ዘይብሎም ብምስትንዓቕ ኣላጊጾምለይ፣* ኣስናኖም ድማ ሓርቂሞምለይ።+ 17  ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ስቕ ኢልካ ኽትርኢ፧+ ንነፍሰይ* ካብ መጥቃዕቶም፡ ነታ ኽብርቲ ህይወተይ* ካብ ሽደናት ኣናብስ ኣናግፋ።+ 18  ሽዑ፡ ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኸመስግነካ፡+ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝቢ ኽውድሰካ እየ። 19  እቶም ብኸምኡ ጸላእተይ ዝዀኑ ብኣይ ኣይተሓጐሱ፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ+ ኣዒንቶም ብኽፍኣት ኣይጽቀጡለይ።+ 20  ንሳቶምሲ ነቶም ሰላማውያን እታ ምድሪ ተንኰል ይሓስቡሎም ደኣ እምበር፡+ ቃላት ሰላም ኣይዛረቡን እዮም። 21  ኪኸስሱኒ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም፡ “ኣሰይ! ኣሰይ! ኣዒንትና ርእየናኦ” ይብሉ። 22  ኦ የሆዋ፡ ነዚ ርኢኻ ኢኻ። ስቕ ኣይትበል።+ ኦ የሆዋ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+ 23  ክትጣበቐለይ ንቓሕን ተንስእን፡ ኦ ኣምላኸይ የሆዋ፡ ንጕዳየይ ተጣበቐለይ። 24  ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ከም ጽድቅኻ ፍረደኒ፣+ ብኣይ ድማ ኣይተሓጐሱ። 25  ብልቦም፡ “ኣሰይ! ዝደለናዮ ረኺብና”* ኣይበሉ። “ውሒጥናዮ” ኸኣ ኣይበሉ።+ 26  እቶም ብመዓተይ ዚሕጐሱ፡ ኵላቶም ይሕፈሩን ይዋረዱን። እቶም ዚዕበዩለይ ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ። 27  እቶም ብጽድቀይ ዚሕጐሱ ግና፡ እልል ይበሉ፣ ወትሩ ድማ፡ “እቲ ብሰላም ጊልያኡ ባህ ዚብሎ የሆዋ ይዕበ” ይበሉ።+ 28  ሽዑ፡ ልሳነይ ጽድቅኻ ኽትነግር፡*+ ምሉእ መዓልቲ እውን ክትውድሰካ እያ።+

እግረ ጽሑፍ

መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።
ወይ፡ “ክልተ ዝኣፉ ፋስካን።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ፡ ‘ድሕነትኪ እየ’ በላ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ውሉዳ ኸም ዝሰኣነት ይገብርዋ።”
ወይ፡ “ጸሎተይ ኣብ ሕቝፈይ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “እቶም ኣምላኽ ዘይብሎም ንእንጌራ ኢሎም ኣላጊጾምለይ” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ነታ ሓንተይ።” ንነፍሱ ወይ ንህይወቱ እተመልክት።
ወይ፡ “ኣሰይ! ነፍስና።”
ወይ፡ “ኸተስተንትን።”