ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 34:1-22

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ንገላዉኡ የናግፎም

    • “ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ” (3)

    • መልኣኽ የሆዋ የዕቍብ (7)

    • “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን” (8)

    • ‘ካብ ኣዕጽምቱ ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን’ (20)

ናይ ዳዊት፣ ኣብ ቅድሚ ኣቢሜሌክ ኣእምሮ ዘይብሉ ምስ መሰለ እሞ፡+ ተሰጒጉ ምስ ከደ። א  [ኣሌፍ] 34  ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኽውድሶ እየ፣ ውዳሰኡ ወትሩ ኣብ ከናፍረይ ኪኸውን እዩ። ב  [ቤት]   ብየሆዋ ኽምካሕ እየ፣*+ ዓቃላት* ኪሰምዑን ኪሕጐሱን እዮም። ג  [ጊሜል]   ንየሆዋ ምሳይ ኣዕብይዎ፣+ ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ። ד [ዳሌጥ]   ንየሆዋ ሓቲተዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ።+ ካብ ኵሉ ፍርሀይ ኣናጊፉኒ።+ ה  []   እቶም ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾም እውን ከቶ ኣይሓፍርን። ז  [ዛይን]   እዚ ትሑት እዚ ጸዊዑ፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎ። ካብ ኵሉ ጭንቁ ኸኣ ኣድሒንዎ።+ ח  [ሔት]   መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡+ የናግፎም እውን።+ ט  [ጤት]   የሆዋ ሕያዋይ* ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን፣+ ኣብኡ ዚምዕቈብ ሰብ ሕጉስ እዩ። י  [ዮድ]   እቶም ዚፈርህዎ ገለ እኳ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፡+ ኣቱም ቅዱሳቱ ዅልኹም፡ ንየሆዋ ፍርህዎ። כ  [ካፍ] 10  ሽደናት ኣናብስ እኳ ስኢኖም ይጠምዩ፣ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን።+ ל  [ላሜድ] 11  ደቀየ፡ ንዑ ስምዑኒ፣ ፍርሃት የሆዋ ድማ ክምህረኩም እየ።+ מ [ሜም] 12  ካባኻትኩምሲ ብህይወት ባህ ዚብሎ፡ ጽቡቕ መዓልትታት እውን ኪርኢ ዚፈቱ ሰብ መን እዩ፧+ נ [ኑን] 13  እምበኣር፡ ልሳንካ ኻብ ክፉእ፡+ ከናፍርካ ኸኣ ምትላል ካብ ምዝራብ ሓሉ።+ ס [ሳሜኽ] 14  ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ድማ ግበር፣+ ንሰላም ድለያ፡ ስዓባ እውን።+ ע  [ዓይን] 15  ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡+ ኣእዛኑ ኸኣ ንኣውያቶም ይሰምዓ እየን።+ פ  [] 16  ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኺድምስሶ ግና፡ ገጽ የሆዋ ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።+ צ [ጻዴ] 17  እቲኣቶም ኣእውዮም፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎም፣+ ካብ ኵሉ ጭንቆም እውን ኣናጊፍዎም።+ ק  [ቆፍ] 18  የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣+ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ* ኸኣ የድሕኖም።+ ר  [ሬሽ] 19  ሽግር* ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣+ የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።+ ש  [ሺን] 20  ንዅለን ኣዕጽምቱ ይሕልወን፣ ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን።+ ת  [ታው] 21  መዓት ንእኩይ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ድማ ኪዅነኑ እዮም። 22  የሆዋ ንህይወት* ገላዉኡ ይብጀዋ፣ ካብቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ሓደ እኳ ኣይኪዅነንን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ ብየሆዋ ኽትምካሕ እያ።”
ወይ፡ “ትሑታት።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ተስፋ ዝቘረጹ።”
ወይ፡ “መዓት።”
ወይ፡ “ንነፍሲ።”