ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 33:1-22

ትሕዝቶ

  • ውዳሰ ንፈጣሪ

    • “ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ” (3)

    • ብቓልን ብመንፈስን የሆዋ እተፈጥሩ ፍጥረታት (6)

    • ህዝቢ የሆዋ ሕጉስ እዩ (12)

    • እታ እትሕሉ ዓይኒ የሆዋ (18)

33  ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ እልል በሉ።+ ካብ ቅኑዓት ውዳሰ ይግብኦ እዩ።   ንየሆዋ ብመሰንቆ* ኣመስግንዎ፣ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ውዳሰ ዘምሩሉ።*   ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣+እልል እናበልኩም፡ ጽቡቕ ጌርኩም በገና ውቕዑሉ።   ቃል የሆዋስ ቅኑዕ እዩ፣+ኵሉ ተግባሩ እውን እሙን እዩ።   ንሱ ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ።+ ምድሪ በቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ መሊኣ እያ።+   ሰማያት ብቓል የሆዋ፡ኣባታቶም ዘለዉ ዅሎም* እውን ብመንፈስ* ኣፉ ተገይሮም።+   ንማያት ባሕሪ ኸም ግድብ ይእክቦ፣+ንቡሕቡሕታ ማያት ኣብ ማዕከን የንብሮ።   ብዘላ ምድሪ ንየሆዋ ትፍርሃዮ።+ ነበርቲ እታ ፍርያም ምድሪ የኽብርዎ።   ንሱ ምስ ተዛረበስ ኰይኑ፣+ንሱ ምስ ኣዘዘ ድማ ቈይሙ።+ 10  የሆዋ ንተንኰል* ኣህዛብ ኣፍሺልዎ፣+ንውጥናት* ህዝብታት ኣተዓናቒፍዎ።+ 11  ውሳነታት* የሆዋ ግና ንዘለኣለም ይቐውም፣+ሓሳባት ልቡ እውን ንውሉድ ወለዶ እዩ። 12  የሆዋ ዝኣምላኹ፡ርስቱ ገይሩ ድማ ዝሓረዮ ህዝቢ ሕጉስ እዩ።+ 13  የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣንቈልቊሉ ይምልከት፣ንዅሎም ደቂ ሰብ ይርእዮም።+ 14  ካብ መንበሪኡ፡ንነበርቲ ምድሪ ይጥምቶም። 15  እቲ ልቢ ዅላቶም ዚገብር ንሱ እዩ፣ኵሉ ግብሮም ከኣ ይምርምር።+ 16  ብብዝሒ ሰራዊት ዚድሕን ንጉስ የልቦን፣+ጅግና ብዓብዪ ሓይሉ ኣይድሕንን እዩ።+ 17  ፈረስ ናይ ሓሶት ተስፋ ድሕነት* እዩ፣+እቲ ዓብዪ ሓይሉ መምለጢ ኣይከውንን። 18  እንሆ፡ ዓይኒ የሆዋ ንዚፈርህዎ፡ነቶም ብተኣማንነት ንዜርእዮ ፍቕሩ ዚጽበዩ ትሕልዎም፣+ 19  ካብ ሞት ተናግፎም፡*ብግዜ ጥሜት ድማ ብህይወት ተንብሮም።+ 20  ንሕና ንየሆዋ ኢና እንጽበዮ።* ረዳኢናን ዋልታናን ንሱ እዩ።+ 21  ብቕዱስ ስሙ ንእመን ኢና እሞ፡ልብና ብእኡ ይሕጐስ።+ 22  ኦ የሆዋ፡ ክንጽበየካ ኸለና፡+እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብኽራር።”
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሎም ሰራዊቶም።”
ወይ፡ “ብትንፋስ።”
ወይ፡ “ንምኽሪ።”
ወይ፡ “ንሓሳባት።”
ወይ፡ “ምኽሪ።”
ወይ፡ “ዓወት።”
ወይ፡ “ንነፍሶም ካብ ሞት ተናግፋ።”
ወይ፡ “ነፍስና ንየሆዋ እያ እትጽበዮ።”