ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 32:1-11

ትሕዝቶ

  • ይቕረታ እተገብረሎም ሕጉሳት እዮም

    • “ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ” (5)

    • ኣምላኽ ልቦና ይህበካ (8)

ናይ ዳዊት። መስኪል።* 32  ኣበሳኡ እተሓድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተኸድነሉ* ሕጉስ እዩ።+   የሆዋ በደሉ ዘይጽብጽበሉ፡+ኣብ መንፈሱ ተንኰል ዘይብሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።   ስቕ ኢለ ኸለኹ፡ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ማህሚኑ።+   መዓልትን ለይትንሲ ኢድካ ኸቢዳትኒ።*+ ከምቲ ሃሩር ሓጋይ ንማይ ዜህፍፎ፡ ብርታዐይ ከምኡ ሃፊፉ።* (ሴላ)   ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ስሕተተይ ድማ ኣይከወልኩን።+ “ኣበሳይ ንየሆዋ ኽናዘዝ እየ” ኢለ።+ ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ።+ (ሴላ)   ስለዚ እዩ ገና እናተረኸብካ ኸለኻ፡+ኵሉ እሙን ናባኻ ዚጽሊ።+ ሽዑ፡ ዜዕለቕልቕ ማይ እኳ ኣይኪበጽሖን እዩ።   ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፣ካብ ጭንቂ ኽትሕልወኒ ኢኻ።+ ብእልልታ ድሕነት ክትከብበኒ ኢኻ።+ (ሴላ)   “ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ።+ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ።+   ከምቲ ናባኻ ቕድሚ ምምጻኡከይፋንን ተባሂሉ ብልጓም ወይ ብልባብ ዚግራሕኣእምሮ ዘይብሉ ፈረስ ወይ በቕሊ ኣይትኹኑ።”+ 10  ስቓይ እኩይ ብዙሕ እዩ፣እቲ ብየሆዋ ዚእመን* ግና በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ይኽበብ።+ 11  ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም፣ኣቱም ቅኑዕ ዝልቦም ኵልኹም፡ እልል በሉ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ይቕረ እተባህለሉ።”
ወይ፡ “ጓሂኻ ኸቢዱኒ።”
ወይ፡ “ጠሊ ህይወተይ ተቐዪሩ።”
ወይ፡ “ዚውከል።”