ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 31:1-24

ትሕዝቶ

  • ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ

    • “መንፈሰይ ኣብ ኢድካ ብሕድሪ እህብ ኣለኹ” (5)

    • “የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ” (5)

    • ብዙሕ ሕያውነት ኣምላኽ (19)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 31  ኦ የሆዋ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።+ ከቶ ኣይተሕፍረኒ።+ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።+   እዝንኻ ናባይ ኣድንን።* ከተናግፈኒ ቐልጢፍካ ምጻእ።+ ዕርዲ ኸረን፡እወ፡ ዕርዲ ድሕነተይ ኩነኒ።+   ንስኻስ ከውሐይን ዕርደይን ኢኻ፣+ስለ ስምካ ኢልካ+ ኽትመርሓንን ክትኣልየንን ኢኻ።+   ንስኻ ዕርደይ ኢኻ እሞ፡+ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መርበብ ኣውጽኣኒ።+   መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ፡* ተበጂኻኒ ኢኻ።+   ነቶም ንዘይጠቕሙ ኸንቱ ጣኦታት እተወፈዩ እጸልኦም እየ፣ኣነ ግና ብየሆዋ እየ ዝእመን።*   ጸበባይ ርኢኻ፡ብርቱዕ ጭንቀይ* ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡+ብተኣማንነት ብእተርእየኒ ፍቕሪ ኣዝየ ኽሕጐስ እየ።   ናብ ኢድ ጸላኢ ኣሕሊፍካ ኣይሃብካንን፣የግዳስ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ* ደው ኣቢልካኒ።   ኦ የሆዋ፡ ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ሞገስ ኣርእየኒ። ጓሂ ንኣዒንተይ ኰነ ንብዘሎ ሰብነተይ* ኣድኪምዎ።+ 10  ህይወተይ ብጓሂ፡+ዓመታተይ ከኣ ብእህህታ ተወዲኡ።+ ብሰሪ ስሕተተይ ሓይለይ ማህሚኑ፣ኣዕጽምተይ ድማ ደኺሙ።+ 11  ኵሎም ተጻረርተይ፡ምናዳ ኸኣ ጐረባብተይ ኣስተናዒቖምኒ።+ ፈለጥተይ ኣርዒዶምኒ፣ኣብ ግዳም ምስ ዚርእዩኒ፡ ካባይ ይሃድሙ ኣለዉ።+ 12  ከም ዝሞትኩስ፡ ካብ ልቦም* ኣውጺኦምንን ተረሲዐን፣ከም ስቡር ሳርማ ዀይነ። 13  ብዙሕ ክፉእ ወረ ሰሚዐ፣ሽበራ ይኸብበኒ ኣሎ።+ ከም ሓደ ዀይኖም ኣንጻረይ ኪእከቡ ኸለዉ፡ንህይወተይ* ኪወስድዋ ይተናዀሉ።+ 14  ኣነ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ብኣኻ እእመን* እየ።+ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ” እብል እየ።+ 15  መዓልትታተይ* ኣብ ኢድካ እየን። ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።+ 16  ገጽካ ኣብ ልዕሊ ጊልያኻ ኣብርሃዮ።+ ብተኣማንነት ብእተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ። 17  ኦ የሆዋ፡ ምስ ጸዋዕኩኻ፡ ኣይተሕፍረኒ።+ እኩያት ደኣ ይሕፈሩ፣+ኣብ መቓብር* እውን ስቕ ይበሉ።+ 18  እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ብንዕቀትን ተመኪሐን ዚዛረባኦሓሰውቲ ኸናፍር ዓባሳት ይኹና።+ 19  እቲ ንዚፈርሁኻ ዝዓቘርካሎም፡+ምእንቲ እቶም ኣባኻ ዚምዕቈቡ ኢልካ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰባት ዘርኣኻዮ+ሕያውነትካ* ኽሳዕ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+ 20  ካብ ተንኰል ሰብ፡ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ስቱር ቦታ ትኽውሎም፣+ካብ እኩይ መጥቃዕቲ፡*ኣብ መጽለሊኻ ትሓብኦም።+ 21  ኣብ እተኸብበት ከተማ+ ብዜደንቕ መገዲ ብተኣማንነት ፍቕሩ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፡+የሆዋ ይወደስ። 22  ኣነስ ሰምቢደ፡“ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍእ እየ” ኢለ ነይረ።+ ናባኻ ምስ ኣእወኹ ግና፡ ንስኻ ልማኖይ ሰሚዕካ።+ 23  ኣቱም እሙናቱ ዅልኹም፡ ንየሆዋ ኣፍቅርዎ!+ የሆዋ ንእሙናት የዕቍቦም፡+ንዚዕበ ዘበለ ግና ኣብዚሑ ይፈድዮ።+ 24  ኣቱም ንየሆዋ እትጽበይዎ ዅልኹም፡+ትብዑ፡ ልብኹም እውን ይበርትዕ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ድንን ኢልካ ስምዓኒ።”
ወይ፡ “ኣታ እሙን ኣምላኽ።”
ወይ፡ “ዝውከል።”
ወይ፡ “ጭንቂ ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ርሒብ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይን ንኸብደይን።”
ወይ፡ “ኣእምሮኦም።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “እውከል።”
ቃ.ቃ.፡ “ግዜያተይ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሰናይካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ቈየቛ ልሳናት።”