ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 30:1-12

ትሕዝቶ

  • ሓዘን ናብ ታሕጓስ ተለወጠ

    • ሞገስ ኣምላኽ ንምሉእ ህይወት እዩ (5)

መዝሙር። ማህሌት መመረቕታ እታ ቤት። ናይ ዳዊት። 30  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣልዒልካኒ* ኢኻ እሞ፡ ልዕል ከብለካ እየ፣ ንጸላእተይ ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን።+   ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣነ ናባኻ ኣእወኹ፡ ንስኻ እውን ኣሕዊኻኒ።+   ኦ የሆዋ፡ ካብ መቓብር* ኣልዒልካኒ።*+ ብህይወት ኣንቢርካኒ፣ ናብ ጕድጓድ* ከይወርድ ኣድሒንካኒ።+   ኣቱም እሙናቱ፡ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ፣*+ ነቲ ቕዱስ ስሙ* ኣመስግንዎ፣+   ቍጥዓኡስ ንቕጽበት እዩ፣+ ሞገሱ* ግና ንምሉእ ህይወት እዩ።+ ምሸት ብኽያት ኪኸውን ይኽእል፣ ንግሆ ግና እልልታ ይኸውን።+   ኣነስ ብራህዋይ፡ “ከቶ ኣይክናወጽን* እየ” ኢለ ነይረ።   ኦ የሆዋ፡ ሞገስካ* ምስ ረኸብኩ፡ ከም ከረን ኣደልዲልካኒ።+ ገጽካ ምስ ሓባእካ ግና፡ ተሸቢረ።+   ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እጽውዕ ኣለኹ፣+ ንየሆዋ ድማ ሞገስ እልምኖ ኣለኹ።   ናብ ጕድጓድ* እንተ ወሪደስ፡ ካብ ሞተይ* እንታይ ረብሓ ይርከብ፧+ ሓመድዶ ይውድሰካ እዩ፧+ ብዛዕባ ተኣማንነትካዶ ይነግር እዩ፧+ 10  ኦ የሆዋ፡ ስማዕ እሞ ሞገስ ኣርእየኒ።+ ኦ የሆዋ፡ ረዳእየይ ኩን።+ 11  ንሓዘነይ ናብ ሳዕስዒት ለዊጥካዮ፣ ማቐይ ቀንጢጥካ ኸኣ ሓጐስ ከዲንካኒ፣ 12  ስለዚ፡ ውዳሰኻ ኽዝምር እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ።* ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስሒብካኒ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣልዒልካያ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዘከርታኡ።”
ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓዱ።”
ወይ፡ “ሰንከልከል ኣይክብልን።”
ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓድካ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ቃ.ቃ.፡ “ደመይ።”
ወይ፡ “ክብረይ ውዳሰኻ ኺዝምር እዩ እምበር፡ ስቕ ኣይኪብልን እዩ።”