ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 3:1-8

ትሕዝቶ

  • ኣብ ሓደጋ እኳ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ምሕዳር

    • “ስለምንታይ ተጻረርተይ በዚሖም፧” (1)

    • “ድሕነት ናይ የሆዋ እዩ” (8)

ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ኪሃድም ከሎ ዝዘመሮ መዝሙር።+ 3  ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ተጻረርተይ በዚሖም፧+ ስለምንታይከ ብዙሓት ኣንጻረይ ይትንስኡ ኣለዉ፧+   ብዙሓት ብዛዕባይ፡* “ኣምላኽ ኣይኬድሕኖን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።+ (ሴላ)*   ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣+ ክብረይን+ ንርእሰይ ልዕል እተብላን ኢኻ።+   ዓው ኢለ ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ፣ ንሱ ድማ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኺምልሰለይ እዩ።+ (ሴላ)   በጥ ክብልን ክድቅስን እየ፣ የሆዋ ይድግፈኒ እዩ እሞ፡ ብደሓን ክነቅሕ እየ።+   ነቶም ብዙርያይ ዚስርዑ ኣእላፋት ኣይፈርሆምን እየ።+   ኦ የሆዋ፡ ተንስእ! ኦ ኣምላኸይ፡ ኣድሕነኒ!+ ንስኻስ ንዅሎም ጸላእተይ ምንጋጋኦም ትወቕዖም፡ ኣስናን እኩያት እውን ትሰብር ኢኻ።+   ድሕነት ናይ የሆዋ እዩ።+ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ እዩ። (ሴላ)

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብዛዕባ ነፍሰይ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።