ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 29:1-11

ትሕዝቶ

  • ሓያል ድምጺ የሆዋ

    • ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት ኣምልኹ (2)

    • “እቲ ኽቡር ኣምላኽ ኣንጐድጒዱ” (3)

    • የሆዋ ንህዝቡ የበርትዖ (11)

ናይ ዳዊት መዝሙር። 29  ኣቱም ደቂ ሓያላት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፣ ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+   ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ። ንየሆዋ ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት* ስገዱሉ።*   ድምጺ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ማያት ተሰሚዑ፣ እቲ ኽቡር ኣምላኽ ኣንጐድጒዱ።+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።+   ድምጺ የሆዋ ሓያል እዩ፣+ ድምጺ የሆዋ ግሩም እዩ።   ድምጺ የሆዋ ንቄድሮሳት ይሰብሮ ኣሎ፣ እወ፡ የሆዋ ንቄድሮሳት ሊባኖስ ይሰባብሮ።+   ንሊባኖስ* ከም ምራኽ፡ ንሲርዮን+ ከኣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የሰራስሮም።   ድምጺ የሆዋ ብሃልሃልታ ሓዊ ይወቅዕ።+   ድምጺ የሆዋ ንበረኻ የንቀጥቅጦ፣+ የሆዋ ንበረኻ ቃዴስ+ የንቀጥቅጦ።   ድምጺ የሆዋ ንእራብ የንቀጥቅጣን የውልዳን፣ ንዱር ከኣ ቃልዕ ይገብሮ።+ ኣብ መቕደሱ ዘሎ ዅሉ እውን፡ “ክብሪ!” ይብል። 10  የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዜዕለቕልቕ ማያት* ኣብ ዝፋን ይቕመጥ፣+ የሆዋ ንዘለኣለም ነጊሱ ኣብ ዝፋን ይቕመጥ።+ 11  የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐ ኺህቦ እዩ።+ የሆዋ ንህዝቡ ብሰላም ኪባርኾ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስለቲ ግርማ ቕድስናኡ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣምልኽዎ።”
ንሰንሰለት ኣኽራን ሊባኖስ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ሰማያዊ ውቅያኖስ።”