ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 27:1-14

ትሕዝቶ

  • የሆዋ፡ ዕርዲ ህይወተይ

    • ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ ባህ ኢሉካ ምርኣይ (4)

    • ወለደይ እኳ እንተ ጠንጠኑኒ፡ የሆዋ ይሓልየለይ (10)

    • “ብየሆዋ ተስፋ ግበር” (14)

ናይ ዳዊት። 27  የሆዋ ብርሃነይን+ ድሕነተይን እዩ። ካብ መን እየ ዝፈርህ፧+ የሆዋ ዕርዲ ህይወተይ እዩ።+ ካብ መንከ እየ ዝርዕድ፧   እኩያት ንስጋይ ኪውሕጡ ምስ ኣጥቅዑኒ፡+ ተጻረርተይን ጸላእተይን እዮም ተዓንቂፎም ዝወደቑ።   ሰራዊት እኳ ኣንጻረይ እንተ ዚሰፍር፡ ልበይ ኣይፈርህን እዩ።+ ውግእ እኳ እንተ ዚልዓለኒ፡ ሽዑ እውን እተኣማመን እየ።   ካብ የሆዋ ሓንቲ ነገር እየ ለሚነ፣ ነዚኣ ኸኣ እየ ዝደሊ፦ ኵለን መዓልትታት ህይወተይ ኣብ ቤት የሆዋ ክቕመጥ፡+ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ደስ ዜብል ምዃኑ ኽጥምት፡ ንቤተ መቕደሱ ድማ ባህ ኢሉኒ* ኽርኢ።+   ንሱስ ብመዓልቲ መዓት ኣብ መጽለሊኡ ኺሓብኣኒ፡+ ኣብ ስቱር ድንኳን ኪሰትረኒ፡+ ኣብ ከውሒ ኸኣ ልዕል ኬብለኒ እዩ።+   ሕጂ ርእሰይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዚኸብቡኒ ልዕል ኢሉ እዩ፣ ኣብ ድንኳኑ ድማ ብእልልታ ኽስውእ እየ፣ ንየሆዋ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።   ኦ የሆዋ፡ ምስ ጸዋዕኩ፡ ስምዓኒ፣+ ሞገስካ ኣርእየኒ፡ መልሰለይ ከኣ።+   ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፡ “ገጸይ ድለዩ” ይብል ኣሎ። ኦ የሆዋ፡ ንገጽካ ኽደልዮ እየ።+   ገጽካ ኣይትሕብኣለይ።+ ንጊልያኻ ብቝጥዓ ኣይተርሕቆ። ንስኻ ረዳእየይ ኢኻ።+ ኦ ኣምላኽ ድሕነተይ፡ ኣይትጠንጥነኒ፡ ኣይትሕደገኒ እውን። 10  ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡+ የሆዋ ይእርንበኒ እዩ።+ 11  ኦ የሆዋ፡ ብመገድኻ ምሃረኒ፣+ ብምኽንያት ጸላእተይ በታ መገዲ ቕንዕና ምርሓኒ። 12  ሓሰውቲ መሰኻኽር ተንሲኦምኒ፡+ ብዓመጻ ኸኣ የፈራርሁኒ ኣለዉ እሞ፡ ኣሕሊፍካ ንተጻረርተይ ኣይትሃበኒ።*+ 13  ሕያውነት* የሆዋ ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ እንተ ዘይኣምንሲ እንታይ ምዀንኩ፧*+ 14  ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣+ ትባዕ፡ ልብኻ እውን ኣበርትዕ።+ እወ፡ ብየሆዋ ተስፋ ግበር።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እናኣስተንተንኩ (ብኣድንቖት)።”
ወይ፡ “ኸዚመሉ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ኣሕሊፍካ ንተጻረርተይ ኣይትሃባ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ሕያውነት የሆዋ ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ ብርግጽ እኣምን እየ” ኪኸውን ይኽእል።