ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 26:1-12

ትሕዝቶ

  • ብንጽህና ምምልላስ

    • “ኦ የሆዋ፡ መርምረኒ” (2)

    • ካብ ሕማቕ ዕርክነት ምርሓቕ (4, 5)

    • ‘ንመሰውኢ ኣምላኽ ክዞሮ እየ’ (6)

ናይ ዳዊት። 26  ኦ የሆዋ፡ ብንጽህና ተመላሊሰ እየ እሞ፡ ፍረደለይ፣+ ከይተወላወልኩ ብየሆዋ ተኣሚነ* እየ።+   ኦ የሆዋ፡ መርምረንን ፈትነንን፣ ንውሽጣዊ ሓሳባተይን* ንልበይን ኣጽርዮ።+   ብተኣማንነት እተርእያ ፍቕርኻስ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እያ፣ ብሓቅኻ እውን እመላለስ እየ።+   ምስ መታለልቲ ሰባት ኣይሓብርን፡*+ ካብ ኣምሰሉታት እውን እርሕቕ እየ።*   ምሕዝነት እኩያት እጸልእ፡+ ምስ ክፉኣት ከኣ ኣይሓብርን* እየ።+   ኦ የሆዋ፡ ንኣእዳወይ ብንጽህና ኽሓጽበን፡ ንመሰውኢኻ ድማ ክዞሮ እየ፣   በዚ ኸምዚ፡ ድምጺ ምስጋናኻ ኸስምዕ፡+ ኵሉ ዜደንቕ ግብርታትካ ኸኣ ክነግር እየ።   ኦ የሆዋ፡ ንቤት ማሕደርካ፡+ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ እፈትዎ እየ።+   ምስ ሓጥኣን ኣይትዀስትረኒ፣*+ ንህይወተይ ድማ ምስ ዓመጽቲ* ሰባት ኣይትመንጥላ፣ 10  ምስቶም ብኣእዳዎም ዜሕፍር ተግባር ዚገብሩን የማነይቶም ብጉቦ ዝመልአትን እውን ኣይትመንጥላ። 11  ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ። ኣናግፈኒ፡* ሞገስካ እውን ኣርእየኒ። 12  እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ ኣላ፣+ ኣብ ዓብዪ ጉባኤ* ንየሆዋ ኽውድሶ እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተወኪለ።”
ወይ፡ “ንውሽጣዊ ስምዒተይን።” ቃ.ቃ.፡ “ንዀላሊተይን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይቅመጥን።”
ወይ፡ “ምስ ግቡዛት እውን ኣይሕወስን እየ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይቅመጥን።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣይትዀስትራ።”
ወይ፡ “ደም ምስ ዜፍስሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተበጀወኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣኼባታት።”