ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 24:1-10

ትሕዝቶ

  • እቲ ኽቡር ንጉስ ብኣፍ ደገታት ይኣቱ

    • ‘ምድሪ ናይ የሆዋ እያ’ (1)

ናይ ዳዊት። መዝሙር። 24  ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉንእታ ፍርያም ምድርን ኣብኣ ዚቕመጡ ዅሎምን ናይ የሆዋ እዮም።+   ከመይሲ፡ ንሱ ኣብ ባሕርታት ሰሪትዋ፡+ኣብ ኣፍላግ ከኣ ኣጽኒዕዋ እዩ።   ናብ ከረን የሆዋ ዚድይብ መን እዩ፧+ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምከ መን እዩ፧   ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፡+ብህይወተይ* ናይ ሓሶት ማሕላ ዘይመሓለ፡ብምትላል ድማ ዘይመሓለ።+   ንሱ ኻብ የሆዋ በረኸት፡+ካብ ናይ ድሕነት ኣምላኹ ኸኣ ጽድቂ* ኪቕበል እዩ።+   እዚኣቶም እቶም ዚደልይዎ ወለዶ፡ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ እቶም ገጽካ ዚደልዩ እዮም። (ሴላ)   ኣቱም ኣፍ ደገታት፡ ርእስኹም ኣልዕሉ፣+እቲ ኽቡር ንጉስ ኪኣቱስ፡+ኣቱም ናይ ጥንቲ መእተዊታት፡ ተኸፈቱ!*   እቲ ኽቡር ንጉስከ መን እዩ፧ እቲ ብርቱዕን ሓያልን የሆዋ፡+እቲ ኣብ ውግእ ብርቱዕ የሆዋ።+   ኣቱም ኣፍ ደገታት፡ ርእስኹም ኣልዕሉ፣+እቲ ኽቡር ንጉስ ኪኣቱስ፡ኣቱም ናይ ጥንቲ መእተዊታት፡ ተኸፈቱ! 10  እቲ ኽቡር ንጉስከ መን እዩ፧ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡—እቲ ኽቡር ንጉስ ንሱ እዩ።+ (ሴላ)

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብነፍሰይ።” እዚ ንህይወት የሆዋ የመልክት፣ ሰባት ብእኡ ይምሕሉ ነበሩ።
ወይ፡ “ፍትሒ።”
ወይ፡ “ተንስኡ።”