ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 23:1-6

ትሕዝቶ

  • “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

    • “ዚጐድለኒ የብለይን” (1)

    • “የሐድሰኒ” (3)

    • “ጽዋአይ ኣጸቢቓ ዝመልአት እያ” (5)

ናይ ዳዊት መዝሙር። 23  የሆዋ ጓሳይየይ እዩ።+ ዚጐድለኒ የብለይን።+   ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ በጥ የብለኒ፣ ማይ ናብ ዝመልኦ መዕረፊ* ይመርሓኒ።+   የሐድሰኒ።*+ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገድታት* ጽድቂ ይመርሓኒ።+   ንስኻ ምሳይ ኢኻ፡+ በትርኻን ምርኩስካን ከኣ የጸናንዓኒ እዩ እሞ፡ ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ እኳ እንተ ኸድኩ፡+ ከይጕዳእ ኣይፈርህን እየ።+   ንስኻ ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ መኣዲ ተዳልወለይ።+ ንርእሰይ ብዘይቲ ተረስርሶ፣*+ ጽዋአይ ኣጸቢቓ ዝመልአት እያ።+   ሕያውነትን* ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ብርግጽ ኣብ ኵሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣+ ኣነ ድማ ኣብ ቤት የሆዋ ምሉእ ዕድመይ ክቕመጥ እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናብ ህዱእ ማያት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍሰይ የሐድሳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኣሰር።”
ወይ፡ “ዘይቲ ትለኽዮ።”
ወይ፡ “ሰናይን።”