ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 22:1-31

ትሕዝቶ

  • ካብ ቅብጸት ናብ ውዳሰ

    • “ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” (1)

    • ‘ንቐምሸይ ዕጫ የውድቑሉ’ (18)

    • ኣብ ጉባኤ ንኣምላኽ ምውዳስ (22, 25)

    • ብዘላ ምድሪ ንኣምላኽ ከተምልኾ እያ (27)

ንኣላዪ፣ ብ“እራብ ወጋሕታ።”* ናይ ዳዊት መዝሙር። 22  ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧+ ስለምንታይ ካብ ምድሓነይ ርሒቕካ፧ ስለምንታይከ ኻብ ደሃይ ቃንዛይ ርሒቕካ፧+   ኣምላኸይ፡ ብመዓልቲ እጽውዕ፡ ንስኻ ግና ኣይትምልስን፣+ ብለይቲ እውን ኣነ ስቕ ኣይብልን።   ንስኻ ግና ቅዱስ፡+ ብውዳሰታት እስራኤል እተኸበብካ* ኢኻ።   ኣቦታትና ብኣኻ ተኣሚኖም* እዮም፣+ ተኣሚኖም፡ ንስኻ እውን ተናግፎም ኔርካ።+   ናባኻ ኣእውዮም ድማ ድሒኖም፣ ብኣኻ ተኣሚኖም* ከኣ ኣይሓፈሩን።+   ኣነ ግና ሰብ ዚንዕቀንን* ህዝቢ ዚፍንፍነንን ሓሰኻ እምበር፡ ሰብ ኣይኰንኩን።+   ኵሎም እቶም ዚርእዩኒ የላግጹለይ፣+ የናሽዉኒ፡ ብባጫ ኸኣ ርእሶም ይንቕንቑለይ፣+   “ኣብ የሆዋ ተማዕቊቡ እዩ። የናግፎ! ኣዝዩ ይፈትዎ እዩ እሞ፡ የድሕኖ!” እውን ይብሉ።+   ካብ ማሕጸን ዘውጻእካኒ፡+ ኣብ ኣጥባት ኣደይ ድማ ዘቕሰንካኒ ንስኻ ኢኻ። 10  ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ንኽንክንካ ሕድሪ ተዋሂበ፣* ካብ ማሕጸን ኣደይ ጀሚርካ ኸኣ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። 11  ሽግር ቀሪቡ ኣሎ፡ ዚረድኣኒ እውን የብለይን እሞ፡+ ካባይ ኣይትርሓቕ።+ 12  ብዙሓት ዝራብዓት ከቢቦምኒ፣+ ብርቱዓት ኣብዑር ባሳን ብዙርያይ ሓጺሮምኒ።+ 13  ንግዳዩ ኸም ዚሰላልዕ ዚጓዝም ኣንበሳ፡+ ኣፎም ሃህ ኣቢሎምለይ።+ 14  ከም ማይ ፈሲሰ፣ ኵሉ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩ። ልበይ ከም ስምዒ ዀይኑ፣+ ኣብ ውሽጢ ኣምዑተይ መኺኹ።+ 15  ሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹ፣+ ልሳነይ ምስ ግርጻነይ ጠቢቑ፣+ ናብ ሓመድ ሞት ኣውዲቕካኒ።+ 16  ኣኽላባትሲ ኸቢቦምኒ፣+ ከም ዕስለ ገበርቲ እከይ ብዙርያይ ሓጺሮምኒ፣+ ከም ኣንበሳ ንኣእዳወይን ንኣእጋረይን የጥቅዕዎ።+ 17  ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ።+ ንሳቶም ይርእዩንን ይጥምቱንን። 18  ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይ እውን ዕጫ የውድቑሉ።+ 19  ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+ ንስኻ ብርታዐይ ኢኻ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+ 20  ንነፍሰይ* ካብ ሰይፊ፡ ነታ ኽብርቲ ህይወተይ* ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣድሕና፣+ 21  ካብ ኣፍ ኣንበሳን ካብ ኣቕርንቲ ጐባይን ኣድሕነኒ፣+ መልሰለይ እሞ ኣድሕነኒ። 22  ስምካ ንኣሕዋተይ ክነግሮም፡+ ኣብ ማእከል ጉባኤ እውን ክውድሰካ እየ።+ 23  ኣቱም ንየሆዋ እትፈርህዎ፡ ወድስዎ! ኵልኹም ዘርኢ ያእቆብ፡ ኣሞግስዎ!+ ኵልኹም ዘርኢ እስራኤል፡ ኣኽብርዎ። 24  ንሱስ ንመከራ ጭቁን ኣይነዓቐን፡ ኣይፈንፈነን እውን፣+ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወለን።+ ናብኡ ምስ ኣእወየ፡ ሰሚዕዎ እዩ።+ 25  ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኽውድሰካ፡+ ኣብ ቅድሚ እቶም ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። 26  ዓቃላት* ኪበልዑን ኪጸግቡን፡+ ንየሆዋ ዚደልይዎ ድማ ኪውድስዎ እዮም።+ ንስኻትኩም ንዘለኣለም ብህይወት ንበሩ።* 27  ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንየሆዋ ኺዝክሮን ናብኡ ኺምለስን እዩ። ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ እዮም።+ 28  ንግስናስ ናይ የሆዋ እዩ፣+ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ይገዝእ። 29  ኵሎም ሃብታማት* ምድሪ ኺበልዑን ኪሰግዱን፡ ኵሎም እቶም ናብ ሓመድ ዚወርዱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኺምብርከኹ እዮም፣ ዋላ ሓዲኦም ብህይወት ኪጸንሑ* ኣይክእሉን እዮም። 30  ዘርኦም ኪግዝእዎ እዮም፣ ዚመጽእ ወለዶ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ኺንገሮ እዩ። 31  መጺኦም ብዛዕባ ጽድቁ ኺነግሩ፡ ነቶም ገና ዚውለዱ ህዝቢ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ኺነግርዎም እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ቅኒት ወይ ቅዲ ሙዚቃ ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣብ መንጎ (ኣብ ልዕሊ) ውዳሰታት እስራኤል እተቐመጥካ።”
ወይ፡ “ተወኪሎም።”
ወይ፡ “ተወኪሎም።”
ወይ፡ “ዚጸርፈንን።”
ቃ.ቃ.፡ “ናባኻ ተደርብየ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ነታ ሓንተይ።” ንነፍሱ ወይ ንህይወቱ እተመልክት።
ወይ፡ “ትሑታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ልብኹም ንዘለኣለም ብህይወት ይንበር።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቡሓት።”
ወይ፡ “ነፍሶም ኬንብሩ።”