ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 21:1-13

ትሕዝቶ

  • ብየሆዋ ዚእመን ንጉስ ዚረኽቦ በረኸት

    • ነቲ ንጉስ ነዊሕ ዕድመ ተዋህቦ (4)

    • ጸላእቲ ኣምላኽ ኪስዓሩ እዮም (8-12)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 21  ኦ የሆዋ፡ ንጉስ ብብርታዐኻ ይሕጐስ፣+ ብግብርታት ድሕነትካስ ክንደይ ኰን እዩ ኣዝዩ ዚሕጐስ!+   ትምኒት ልቡ ሂብካዮ፣+ ልማኖ ኸናፍሩ እውን ኣይከላእካዮን። (ሴላ)   ከመይሲ፡ ብብዙሕ በረኸት ተቐቢልካዮ፣ ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፊእካሉ።+   ህይወት ለሚኑካስ፡ ነዊሕ ዕድመ* ንዘለኣለመ ኣለም ሂብካዮ።+   ግብርታት ድሕነትካ ዓብዪ ኽብሪ የምጽኣሉ።+ ክብርን ግርማን ትዕድሎ።   ንዘለኣለም እተባረኸ ትገብሮ፣+ ኣብ ቅድሜኻ* ብምግባርካ ብሓጐስ ተደስቶ።+   ንጉስሲ ብየሆዋ ይእመን* እዩ፣+ እቲ ልዑል ብተኣማንነት ስለ ዜፍቅሮ፡ ከቶ ኣይናወጽን።*+   ኢድካ ንዅሎም ጸላእትኻ ኽትረኽቦም፡ የማነይትኻ ድማ ንዚጸልኡኻ ኽትረኽቦም እያ።   ምስ ኣቕለብካሎም፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኸም እቶን ሓዊ ኽትገብሮም ኢኻ። የሆዋ ብቝጥዓኡ ኺውሕጦም፡ ሓዊ ኸኣ ኪበልዖም እዩ።+ 10  ንፍሪኦም ካብ ምድሪ፡ ንዘርኦም እውን ካብ ደቂ ሰብ ከተጥፍእ ኢኻ። 11  ንሳቶምሲ ኽፉእ ሓሊኖምልካ፣+ ዘይሰልጥ ተንኰል ድማ ሓሲቦም።+ 12  ቀስትኻ* ናባታቶም* ብምቕናዕ፡ ከም ዜንሳሕቡ ኽትገብሮም ኢኻ።+ 13  ኦ የሆዋ፡ ብብርታዐኻ ተንስእ። ንሓይልኻ ውዳሰ ኽንዝምር* ኢና።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጽካ።”
ወይ፡ “ይውከል።”
ወይ፡ “ሰንከልከል ኣይብልን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣውታር ቀስትኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ናብ ገጾም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኽንዝምርን ከነዝይምን።”