ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 20:1-9

ትሕዝቶ

  • ድሕነት ነቲ ኣምላኽ ዝቐብኦ ንጉስ

    • ገሊኦም ብሰረገላታትን ብኣፍራስን ይእመኑ፡ ‘ንሕና ግና ስም የሆዋ ንጽውዕ’ (7)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 20  የሆዋ ብመዓልቲ ጭንቂ ይመልሰልካ። ስም ኣምላኽ ያእቆብ የዕቍብካ።+   ካብ መቕደስ ረድኤት ይስደደልካ፣+ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።+   ንዅሉ መባእካ ይዘክሮ፣ ንዚሓርር መስዋእትኻ ድማ ብሞገስ ይቀበሎ።* (ሴላ)   ትምኒት ልብኻ ይሃብካ፣+ ኣብ ኵሉ ውጥናትካ* እውን ኣሳልጦ ይሃብካ።   ብግብርታት ድሕነትካ እልል ክንብል፡+ ብስም ኣምላኽና ኸኣ ሰንደቕ ዕላማና ኸነልዕል ኢና።+ የሆዋ ንዅሉ ልማኖኻ ይፈጽመልካ።   የሆዋ ንቕቡኡ ኸም ዜድሕኖ ሕጂ ፈሊጠ።+ በቲ ብየማነይቲ ኢዱ ዚገብሮ ዓብዪ ድሕነት*+ ካብቲ ቕዱስ ሰማያቱ ይምልሰሉ።   ገሊኦም ብሰረገላታት፡ ገሊኦም እውን ብኣፍራስ ይእመኑ፣+ ንሕና ግና ስም የሆዋ ኣምላኽና ኢና እንጽውዕ።+   ንሳቶም ተረዅሚሾምን ወዲቖምን፣ ንሕና ግና ተንሲእናን ቌምናን።+   ኦ የሆዋ፡ ንንጉስ ኣድሕኖ!+ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ኺሰምዓና እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ከም ስብሒ ገይሩ ይርኣዮ።”
ወይ፡ “ምኽርኻ።”
ወይ፡ “ዓወታት።”