ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 18:1-50

ትሕዝቶ

  • ስለ ድሕነት ንኣምላኽ ምውዳስ

    • ‘የሆዋ ኸውሐይ እዩ’ (2)

    • የሆዋ ምስ እሙናት፡ እሙን ይኸውን (25)

    • መገዲ ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ (30)

    • ‘ትሕትናኻ ተዕብየኒ’ 35)

ንኣላዪ። ዳዊት እቲ ጊልያ የሆዋ፡ በታ የሆዋ ኻብ ኢድ ኵሎም ጸላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘናገፎ መዓልቲ፡ ንየሆዋ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረቦ። ከምዚ ኸኣ በለ፦+ 18  ኦ የሆዋ፡ ሓይለይ፡ እፈትወካ እየ።+   የሆዋ ኸውሐይን ዕርደይን መናገፍየይን እዩ።+ ኣምላኸይ ዝምዕቈበሉ ኸውሐይ፡+ ዋልታይን ቀርኒ* ድሕነተይን፡* እምባይ* እዩ።+   ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ የሆዋ ኽጽውዖ፡ ካብ ጸላእተይ ድማ ክድሕን እየ።+   ኣግማድ ሞት ከርዲኑኒ፣+ ወሓይዝ ዘይጠቕሙ ሰባት ኣሸቢሩኒ።+   ኣግማድ መቓብር* ከቢቡኒ፣ መፈንጠራታት ሞት ኣጋጢሙኒ።+   ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡ ናብ ኣምላኸይ ከኣ ኣእውየ። ካብ መቕደሱ ድምጸይ ሰሚዑ፡+ ኣብ ቅድሚኡ ዘቕረብክዎ ኣውያተይ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ።+   ምድሪ ተናዊጻን ኣንቀጥቂጣን፣+ መሰረታት ኣኽራን ኣንደቕዲቑ፡ ስለ እተቘጥዐ ድማ ተናዊጹ።+   ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ዓሪጉ፡ ካብ ኣፉ ኸኣ ዚባላዕ ሓዊ ወጺኡ፣+ ካብኡ ጓህሪ ተባሪዑ።   ኪወርድ ከሎ፡ ንሰማያት ኣድኒንዎ፡+ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ እውን ብርቱዕ ድነ ነይሩ።+ 10  ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ እናነፈረ መጺኡ።+ ኣብ ኣኽናፍ መንፈስ* ኰይኑ ኸኣ ተነቚቱ።+ 11  ጸልማት ማያትን ከቢድ ደበናታትን+ ከም መጽለሊ ኣብ ዙርያኡ ገይሩ ድማ፡ ብጸልማት ተጐልቢቡ።+ 12  ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ድምቀት፡ በረድን ጓህርን ንደበናታት ጥሒሱ ወጺኡ። 13  የሆዋ ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጒዱ፣+ ብበረድን ብጓህርን፡ እቲ ልዑል፡ ድምጹ ኣስሚዑ።+ 14  ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣቢልዎም፣+ በርቁ ደርብዩ ኸኣ ኣሸቢርዎም።+ 15  ብምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኻ፡ ብመግናሕትኻ፡ ኦ የሆዋ፡ መሰረታት ምድሪ ተቐሊዑ፣ ባይታ ርባ* ድማ ተራእዩ።+ 16  ኢዱ ኻብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘርጊሑ፣ ሒዙ ኸኣ ካብ ዓሚቝ ማያት ኣውጺኡኒ።+ 17  ካብ ሓያል ጸላእየይ፡+ ካብቶም ካባይ ዚሕይሉ ዚጸልኡኒ ኣናጊፉኒ።+ 18  ብመዓልቲ ጥፍኣተይ ገጢሞምለይ፣+ ግናኸ፡ የሆዋ ደገፍ ኰይኑኒ። 19  ናብ ውሑስ ቦታ* ኣውጺኡኒ፣ ብኣይ ባህ ስለ ዝበሎ፡ ኣናጊፉኒ።+ 20  የሆዋ ኸም ጽድቀይ ይፈድየኒ፣+ ከም ንጽህና ኢደይ ይኽሕሰኒ።+ 21  ከመይሲ፡ መገድታት የሆዋ ሓልየ እየ፣ ንኣምላኸይ ብምሕዳግ ድማ እከይ ኣይገበርኩን። 22  ኵሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ንሕግታቱ ኸኣ ኣይነዓቕኩን። 23  ኣብ ቅድሚኡ መንቅብ ዘይብለይ ክኸውን፡+ ካብ ስሕተት እውን ክሕሎ እየ።+ 24  የሆዋ ኸም ጽድቀይ፡+ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ንጽህና ኢደይ ይኽሓሰኒ።+ 25  ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን፣+ መንቅብ ምስ ዘይብሉ ሰብኣይ ከኣ፡ መንቅብ ዘይብልካ ትኸውን፣+ 26  ምስ ንጹህ፡ ንጹህ ትኸውን፡+ ምስ ቄናን ግና፡ ትጐርሕ።+ 27  ንትሑታትሲ* ተድሕኖም፣+ ንዕቡያት* ግና ተዋርዶም።+ 28  ኦ የሆዋ፡ ኣታ ንጸልማተይ እተብርሆ ኣምላኸይ፡ መብራህተይ እተብርሃለይሲ ንስኻ ኢኻ።+ 29  ብሓገዝካ ንዘማቲ ጭፍራ ኸጥቅዕ እኽእል፣+ ብሓይሊ ኣምላኽ መንደቕ ክሓኵር እኽእል።+ 30  መገዲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ፣+ ቃል የሆዋ እተጻረየ እዩ።+ ንዅሎም እቶም ዚምዕቈብዎ ዋልታኦም እዩ።+ 31  ብዘይካ የሆዋስ ኣምላኽ መን እዩ፧+ ብዘይካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፧+ 32  እቲ ብብርታዐ ዚኸድነኒ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ፣+ ንመገደይ ከኣ ፍጹም ይገብሮ።+ 33  ንኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብ በረኽቲ ድማ የቝመኒ።+ 34  ንኣእዳወይ ንውግእ የሰልጥነን፡ ቀላጽመይ ቀስቲ ነሓሲ ኺግትራ ይኽእላ። 35  ዋልታ ድሕነትካ ትህበኒ፡+ የማነይትኻ ትድግፈኒ፡* ትሕትናኻ ኸኣ ተዕብየኒ።+ 36  መገዲ ስጕምትታተይ ተግፍሕ፣ ኣእጋረይ* እውን ኣየንደልህጻን።+ 37  ንጸላእተይ ስዒበ ኸርክቦም፡ ክሳዕ ዚድምሰሱ ድማ ኣይክምለስን እየ። 38  ምእንቲ ኸይትንስኡ፡ ክጭፍልቖም እየ፣+ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ኪወድቁ እዮም። 39  ንውግእ ብብርታዐ ተዕጥቐኒ፣ ንጸላእተይ ከኣ ኣብ ትሕተይ ተውድቖም።+ 40  ንጸላእተይ ካባይ ከም ዜንሳሕቡ ትገብር፣* ነቶም ዚጸልኡኒ ድማ መወዳእታ ኽገብረሎም* እየ።+ 41  የእውዩ፡ ዜድሕኖም ግና የልቦን፣ ናብ የሆዋ እውን ይምህለሉ፡ ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን። 42  ከምቲ ንፋስ ዚወስዶ ሓመድ ገይረ ኽደቝሶም እየ፣ ከም ኣብ ጐደና ዘሎ ጭቃ ኽድርብዮም እየ። 43  ካብ ነቐፌታ ህዝበይ ተናግፈኒ።+ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ትሸመኒ፣+ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ኺግዝኣኒ እዩ።+ 44  ሰሚዖም ጥራይ ኪእዘዙኒ፡ ጓኖት ሸቘጥቈጥ እናበሉ ናብ ቅድመይ ኪመጹ እዮም።+ 45  ጓኖት ኪጃጅዉ፡* ካብ ዕርድታቶም ራዕራዕ እናበሉ ኺመጹ እዮም። 46  የሆዋ ህያው እዩ! እቲ ኸውሐይ ይወደስ!+ እቲ ኣምላኽ ድሕነተይ ልዕል ይበል።+ 47  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሕነ ይፈድየለይ፣+ ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ የምበርክኾም፣ 48  ንሱ ኻብ ቍጡዓት ጸላእተይ የናግፈኒ። ኣብ ልዕሊ እቶም ዜጥቅዑኒ ልዕል ተብለኒ፣+ ካብ ሰብኣይ ዓመጻ ተድሕነኒ። 49  ስለዚ፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከሞግሰካ፡+ ንስምካ እውን ውዳሰ ኽዝምር* እየ።+ 50  ንንጉሱ ዓብዪ ግብርታት ድሕነት* ይገብር፣+ ንዘለኣለም ንዳዊትን ንዘርኡን፡+ ነቲ ቕቡኡ ብተኣማንነት የፍቅር።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሓያል መድሓንየይ።”
ወይ፡ “ውሑስ መዕቈብየይ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንፋስ።”
ወይ፡ “መትረባት ማይ።”
ወይ፡ “ርሒብ።”
ወይ፡ “ንውጹዓትሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንኣዒንቲ ዕቡያት።”
ወይ፡ “ተጽንዓኒ።”
ወይ፡ “ዓካሪቶታተይ።”
ወይ፡ “ዝባን ጸላእተይ ትህበኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከብሎም።”
ወይ፡ “ኪጽምልዉ።”
ወይ፡ “ከዝይም።”
ወይ፡ “ዓወታት።”