ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 17:1-15

ትሕዝቶ

  • ዕቝባ ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • “ንልበይ መርሚርካዮ” (3)

    • “ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ” (8)

ናይ ዳዊት ጸሎት። 17  ኦ የሆዋ፡ ፍትሒ ደልየ ዘቕርቦ ልማኖ ስማዕ፣ ናብ ኣውያተይ ኣቕልብ፣ ነቲ ብዘይ ምትላል ዘቕርቦ ጸሎተይ ስማዕ።+   ፍትሓዊ ፍርዲ ፍረደለይ፣+ ኣዒንትኻ ኸኣ ቅኑዕ ይርኣያ።   ንልበይ መርሚርካዮ፡ ብለይቲ ድማ ኣጸቢቕካ ተዓዚብካኒ ኢኻ፣+ ኣጽሪኻኒ ኢኻ፣+ ገለ ኽፉእ ከም ዘይሓሰብኩ ኽትረክብ ኢኻ፣ ኣፈይ እውን ኣይጠሓሰትን።   ብዛዕባ ተግባራት ሰብሲ፡ ከም ቃል ከናፍርካ፡ ካብ መገድታት ከተርቲ ርሒቐ።+   ኣእጋረይ ከይዕንቀፍሲ፡ ስጕምትታተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽንዓ።+   ኦ ኣምላኽ፡ ክትምልሰለይ ኢኻ እሞ፡ እጽውዓካ ኣለኹ።+ እዝንኻ ናባይ ኣድንን።* ቃላተይ ስማዕ።+   ኣታ ነቶም ኣብ የማነይቲ ኢድካ ዚምዕቈቡ ካብቶም ካባኻ ዝዓለዉ እተድሕን፡ ብዜደንቕ መገዲ ብተኣማንነት ፍቕርኻ ኣርኢ።+   ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልወኒ፣+ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሕብኣኒ።+   ካብቶም ዜጥቅዑኒ እኩያት፡ ካብቶም ኪቐትሉኒ ዚኸብቡኒ ጸላእተይ* ሓልወኒ።+ 10  ስምዒት ኣልቦ ዀይኖም* ኣለዉ፣ ብኣፎም ከኣ ብትዕቢት ይዛረቡ፣ 11  ሕጂ ኸቢቦምና ኣለዉ፣+ ኬውድቑናስ* ኣጋጣሚ ይጽበዩ ኣለዉ። 12  ጸላእየይ ከምቲ ንግዳዩ ኺሰላልዕ ዚህንጠ ኣንበሳ፡ ከምቲ ተዀርምዩ ዜድቢ ሽደን ኣንበሳ እዩ። 13  ኦ የሆዋ፡ ክትገጥመሉን ከተውድቖን ተንስእ፣+ ካብቲ እኩይ ብሰይፍኻ ኣናግፈኒ፣* 14  ካብቶም ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዝዀነ፡+ በቲ ዘዳሎኻዮ ጽቡቕ ዘጽገብካዮም፡+ ንብዙሓት ደቆም ድማ ርስቲ ዚገድፉ ሰብ እዛ ዓለም እዚኣ፡* ኦ የሆዋ፡ ካባታቶም ብኢድካ ኣናግፈኒ። 15  ኣነ ግና ብጽድቂ ገጽካ ኽርኢ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ* ምንቃሕ የዕግበኒ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ድንን ኢልካ ስምዓኒ።”
ወይ፡ “ካብቶም ዚኸብቡኒ ጸላእቲ ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ብስብሖም ተዓጽዮም።”
ወይ፡ “ናብ ምድሪ ኺድርብዩናስ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣናግፋ።”
ወይ፡ “እዚ ስርዓት እዚ።”
ወይ፡ “መልክዕካ ንምርኣይ።”