መዝሙር 16:1-11
ናይ ዳዊት ሚክታም።*
16 ኦ ኣምላኽ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ እሞ፡ ኣዕቍበኒ።+
2 ንየሆዋ ኸምዚ ኢለዮ፦ “ንስኻ የሆዋ፡ ምንጪ ሰናየይ ኢኻ።
3 ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕዱሳት፡ማለት እቶም ግሩማት ከኣ፡ ዓብዪ ደስታ የምጽኡለይ።”+
4 እቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስዕቡ፡ ጓሂኦም የብዝሑ።+
ናይ ደም መስዋእቲ መስተኦም ከቶ ኣይከፍስስን እየ፣ከናፍረይ እውን ስማቶም ኣይኪጠቕሳን እየን።+
5 የሆዋ ግደይን ብጽሒተይን+ ጽዋአይን እዩ።+
ንስኻ ንርስተይ ትሕልዎ።
6 ባህ ዜብል ቦታታት ተለኪዑለይ።
እወ፡ ብርስተይ ዕጉብ እየ።+
7 ነቲ ዝመኸረኒ የሆዋ ኽውድሶ እየ።+
ብለይቲ እኳ ውሽጣዊ ሓሳባተይ* ይእርመኒ።+
8 ንየሆዋ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እገብሮ እየ።+
ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ከቶ ኣይናወጽን* እየ።+
9 ስለዚ፡ ልበይ ይሕጐስ፡ ኵለንትናይ* እውን ባህ ይብሎ።
ኣነ ኸኣ ብደሓን እነብር።*
10 ንዓይ* ኣብ መቓብር* ኣይትሓድገንን ኢኻ።+
እሙንካ ጕድጓድ ኪርኢ* እውን ኣይትፈቅድን ኢኻ።+
11 መገዲ ህይወት ተፍልጠኒ።+
ኣብ ቅድሜኻ* ብዙሕ ሓጐስ ኣሎ፣+ኣብ የማንካ ድማ ንዘለኣለም ደስታ ኣሎ።