ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 15:1-5

ትሕዝቶ

  • ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧

    • ብልቡ ሓቂ ዚዛረብ (2)

    • ዘይሓሚ (3)

    • ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሉ ዚሕሉ (4)

ናይ ዳዊት መዝሙር። 15  ኦ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧ ኣብ ቅዱስ ከረንካ ዚነብርከ መን እዩ፧+   እቲ ብዘይ ኣበር* ዚመላለስ፡+ ቅኑዕ ዚገብር፡+ ብልቡ ድማ ሓቂ ዚዛረብ።+   ብልሳኑ ዘይሓሚ፡+ ንብጻዩ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡+ ንፈተውቱ ኸኣ ዘየጸልም።*+   ንዑቕ ዘበለ ዚንዕቕ፡+ ንየሆዋ ንዚፈርህዎ ግና ዜኽብሮም። ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሉ* ዘይልውጥ።+   ገንዘቡ ብወለድ ዘየለቅሕ፡+ ኣንጻር ንጹህ ኪኸውን ኢሉ ኸኣ ጉቦ ዘይቅበል።+ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኸቶ ኣይናወጽን* እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብንጽህና።”
ወይ፡ “ዘየሕፍር።”
ቃ.ቃ.፡ “ማሕላኡ።”
ወይ፡ “ሰንከልከል ኣይብልን።”