ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 149:1-9

ትሕዝቶ

  • ንዓወት ኣምላኽ ዚውድስ መዝሙር

    • ኣምላኽ ብህዝቡ ባህ ይብሎ (4)

    • ክብሪ ናይቶም ንኣምላኽ እሙናት ዚዀኑ እዩ (9)

149  ንያህ ወድስዎ!* ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣+ኣብ ጉባኤ እሙናት ወድስዎ።+   እስራኤል በቲ ዓብዪ ገባሪኡ ይተሓጐስ፣+ደቂ ጽዮን ብንጉሶም ባህ ይበሎም።   ንስሙ ብሳዕስዒት ይወድስዎ፣+ብኸበሮን ብመሰንቆን* ከኣ ውዳሰ ይዘምሩሉ።*+   የሆዋስ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ።+ ንዓቃላት* ብድሕነት ይስልሞም እዩ።+   እሙናት ብኽብሪ ይፈስሁ፣ኣብ ዓራቶም እልል ይበሉ።+   ንኣምላኽ ዚውድስ መዝሙራት ኣብ ጐረሮኦም፡ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ኣብ ኢዶም ይኹን።   በዚ ድማ ንኣህዛብ ሕነ ይፈድዩ፣ንህዝብታት ከኣ ይቐጽዑ፣   ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡ንልዑላኖም እውን ብመቝሕ ሓጺን ይኣስሩ፣   ነቲ እተጻሕፈሎም ፍርዲ እውን ይፍጽምዎ።+ እዚ ኽብሪ እዚ ናይ ኵሎም እሙናቱ እዩ። ንያህ ወድስዎ!*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ብኽራርን።”
ወይ፡ “የዚሙሉ።”
ወይ፡ “ንትሑታት።”
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።