ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 148:1-14

ትሕዝቶ

  • ኵሉ ፍጥረት ንየሆዋ ይወድሶ

    • “ኵሉኹም መላእኽቱ፡ ወድስዎ” (2)

    • ‘ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ወድስዎ’ (3)

    • ንኣሽቱን ዓበይትን ንኣምላኽ ወድስዎ (12, 13)

148  ንያህ ወድስዎ!* ንየሆዋ ኻብ ሰማያት ወድስዎ፣+ ኣብ ላዕሊ ወድስዎ።   ኵልኹም መላእኽቱ፡ ወድስዎ።+ ኵልኹም ሰራዊቱ፡ ወድስዎ።+   ኣትን ጸሓይን ወርሕን፡ ወድሳኦ። ኵልኹም እትበርሁ ኸዋኽብቲ፡ ወድስዎ።+   ኣቱም ሰማየ ሰማያትን ኣቱም ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን፡ ወድስዎ።   ንሱ ኣዚዙስ፡ ተፈጢሮም እዮም እሞ፡+ ንስም የሆዋ ይወድስዎ።   ንዘለኣለመ ኣለም ሰረቶም፣+ ዘይሓልፍ ስርዓት ከኣ ኣውጽኣሎም።+   ንየሆዋ ኻብ ምድሪ ወድስዎ፣ ኣቱም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን ኣቱም መዓሙቝ ማያትን፡   ኣቱም በርቅን በረድን ውርጭን ከቢድ ደበናታትን፡ ኣታ ቓሉ እትፍጽም ህቦብላ ንፋስ፡+   ኣቱም ኣኽራንን ኣቱም ኵርባታትን፡+ ኣቱም ፈረይቲ ኣእዋምን ኵልኹም ቄድሮሳትን፡+ 10  ኣቱም እንስሳታት ዘገዳምን+ ኵልኹም እንስሳታት ዘቤትን፡ ኣቱም ለመምትን ኣትን ኣኽናፍ ዘሎክን ኣዕዋፍን፡ 11  ኣቱም ነገስታት ምድርን ኵልኹም ኣህዛብን፡ ኣቱም መሳፍንትን ኵልኹም ፈራዶ ምድርን፡+ 12  ኣቱም ኣጕባዝን ኣትን ጐራዙትን፡* ኣቱም ዓበይትን ንኣሽቱን ብሓባር ወድስዎ። 13  ስሙ በይኑ ዘይብጻሕ ልዑል እዩ እሞ፡ ንስም የሆዋ ይወድስዎ።+ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ምድርን ሰማይን እዩ።+ 14  ንውዳሰ ዅሎም እሙናቱ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ነቶም ዚቐርብዎ ህዝቢ ኢሉ፡ ብርታዐ* ህዝቡ ልዕል ኬብል እዩ። ንያህ ወድስዎ!*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ደናግልን።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀርኒ።”
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።