ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 147:1-20

ትሕዝቶ

  • ንኣምላኽ ስለቲ ፍቕራውን ሓያልን ግብርታቱ ምውዳስ

    • ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም (3)

    • ንዅሎም ከዋኽብቲ በብስሞም ይጽውዖም (4)

    • ንውርጪ ኸም ጸምሪ ይሰድዶ (16)

147  ንያህ ወድስዎ!* ንኣምላኽ ውዳሰ ምዝማር* ጽቡቕ እዩ፣ ምውዳሱስ ክንደይ ባህ ዜብልን ግቡእን ኰን እዩ!+   የሆዋ ንየሩሳሌም ይሃንጻ፣+ ንእተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ይእክቦም።+   ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም፣ ንኣቝሳሎም ከኣ ይዝንን።   ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይጽውዖም።+   ጐይታና ዓብይን ብርቱዕ ዝሓይሉን እዩ፣+ ኣእምሮኡ ኺልካዕ ዚከኣል ኣይኰነን።+   የሆዋ ንዓቃላት* የተንስኦም፣+ ንእኩያት ግና ናብ ምድሪ ይድርብዮም።   ንየሆዋ ብምስጋና ዘምሩሉ፣ ንኣምላኽና ብመሰንቆ* ውዳሰ ዘምሩሉ፣   ንሱስ ንሰማያት ብደበናታት ዚሽፍኖ፡ ንምድሪ ዝናም ዚህባ፡+ ኣብ ኣኽራን ድማ ሳዕሪ ዜብቍል እዩ።+   ንእንስሳታት ምግቢ ይህቦም፡+ ንጨቓዊት ኳዃት ከኣ ይጽውዖም።+ 10  ብሓይሊ ፈረስ ደስ ኣይብሎን፡+ ብብርቱዕ ኣእጋር ሰብ እውን ኣይግረምን እዩ።+ 11  የሆዋ በቶም ዚፈርህዎ፡+ በቶም ነቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ዚጽበዩ ባህ ይብሎ እዩ።+ 12  ኦ የሩሳሌም፡ ንየሆዋ ኣሞግስዮ። ኦ ጽዮን፡ ንኣምላኽ ወድስዮ። 13  ንሱስ ተገዳማት ኣፍ ደገኺ የጽንዕ፣ ኣብ ውሽጥኺ ንዘለዉ ደቅኺ ይባርኾም። 14  ኣብ ዓድኺ ሰላም የምጽእ፣+ ብብሉጽ* ስርናይ የጽግበኪ።+ 15  ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፣ ቃሉ ብፍጥነት ይጐዪ። 16  ንውርጪ ኸም ጸምሪ ይሰድዶ፣+ ንኣስሓይታ ኸም ሓምዅሽቲ ፋሕ የብሎ።+ 17  ንበረዱ ኸም ቍርስራስ እንጌራ ይድርብዮ።+ ንቝሩኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+ 18  ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾ። ንፋሱ የንፍስ+ እሞ ማያት ይውሕዙ። 19  ቃሉ ንያእቆብ፡ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ከኣ ንእስራኤል ይነግሮ።+ 20  ንኻልኦት ህዝቢ ኸምኡ ኣይገበረሎምን፣+ ብዛዕባ ፍርድታቱ ኣይፈልጡን እዮም። ንያህ ወድስዎ!*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ምዝያም።”
ወይ፡ “ንትሑታት።”
ወይ፡ “ብኽራር።”
ቃ.ቃ.፡ “ብስብሒ።”
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።