ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 146:1-10

ትሕዝቶ

  • ብሰብ ዘይኰነስ፡ ብኣምላኽ ተኣመኑ

    • ሰብ ምስ ሞተ፡ ሓሳባቱ ይጠፍእ (4)

    • ኣምላኽ ንዝደነኑ የተንስኦም (8)

146  ንያህ ወድስዎ!*+ ኵለንትናይ ንየሆዋ ይወድሶ።*+   ምሉእ ህይወተይ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ንኣምላኸይ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።   ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ።*+   መንፈሱ* ይወጽእ፡ ናብ ምድሪ ይምለስ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ሓሳባቱ ይጠፍእ።+   ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዳኢኡ፡+ ተስፋኡ ኸኣ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ዝገበረ፡ ሕጉስ እዩ፣+   ንሱስ ሰማይን ምድርን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፡+ ወትሩ እሙን ዝዀነ፡+   ንእተዓመጹ ፍትሒ ዜውጽኣሎም፡ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም እዩ።+ የሆዋ ንእሱራት ይፈትሖም።+   የሆዋ ንኣዒንቲ ዕዉራት ይኸፍተን፣+ የሆዋ ንዝደነኑ የተንስኦም፣+ የሆዋ ንጻድቃን የፍቅሮም።   የሆዋ ንጓኖት የዕቍቦም፣ ንዘኽታምን ንመበለትን ይኣልዮም፣+ ውጥናት እኩያት ግና ይዓናቕፍ።*+ 10  የሆዋ ንዘለኣለም ኪነግስ፡+ ኦ ጽዮን፡ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ኺነግስ እዩ። ንያህ ወድስዎ!*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ነፍሰይ ንየሆዋ ትወድሶ።”
ወይ፡ “ከዚመሉ።”
ወይ፡ “ኣይትወከሉ።”
ወይ፡ “ትንፋሱ።”
ወይ፡ “ንመገዲ እኩያት ግና ቄናን ይገብራ።”
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።