ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 145:1-21

ትሕዝቶ

  • ንኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ምውዳስ

    • ‘ዕቤት ኣምላኽ ክነግር እየ’ (6)

    • “የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ እዩ” (9)

    • ‘እሙናትካ ኺውድሱኻ እዮም’ (10)

    • ናይ ዘለኣለም ንግስና ኣምላኽ (13)

    • ኢድ ኣምላኽ ንዅሉ ተዕግብ (16)

ናይ ዳዊት ውዳሰ። א  [ኣሌፍ] 145  ኦ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡+ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ስምካ ኽውድስ እየ።+ ב  [ቤት]   ምሉእ መዓልቲ ኽውድሰካ፡+ ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ስምካ ኽውድስ እየ።+ ג  [ጊሜል]   የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ፣+ ዕቤቱ ዘይምርመር* እዩ።+ ד [ዳሌጥ]   ካብ ወለዶ ንወለዶ ግብርታትካ ኺውድሱ፡ ብዛዕባ ግብርታት ሓይልኻ ኺነግሩ እዮም።+ ה  []   ብዛዕባ ኽቡር ግርማ ዕቤትካ ኺዛረቡ እዮም፣+ ኣነ ድማ ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታትካ ኸስተንትን እየ። ו  [ዋው]   ብዛዕባ እቲ ዜፍርህ ተግባራትካ* ኺዛረቡ እዮም፣ ኣነ ኸኣ ዕቤትካ ኽነግር እየ። ז  [ዛይን]   ብዛዕባ ብዝሒ ሕያውነትካ* ዘኪሮም ኬውርዩ፡+ ስለቲ ጽድቅኻ እውን እልል ኪብሉ እዮም።+ ח  [ሔት]   የሆዋ ርሕሩሕን* መሓርን፡+ ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ።+ ט  [ጤት]   የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ* እዩ፣+ ምሕረቱ ድማ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ይርአ። י  [ዮድ] 10  ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ግብርታትካ ኼሞግሰካ እዩ፣+ እሙናትካ ኸኣ ኪውድሱኻ እዮም።+ כ  [ካፍ] 11  ክብሪ ንግስናኻ ኺነግሩ፡+ ብዛዕባ ሓይልኻ እውን ኪዛረቡ እዮም፣+ ל  [ላሜድ] 12  ግብርታት ሓይልኻን+ ክቡር ግርማ ንግስነትካን ድማ ንሰብ ኬፍልጡ እዮም።+ מ [ሜም] 13  ንግስናኻ ናይ ዘለኣለም ንግስና እዩ፣ ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+ ס [ሳሜኽ] 14  የሆዋ ንዅሎም ዚወድቁ ይድግፎም፡+ ንዅሎም ዝደነኑ ኸኣ የተንስኦም።+ ע  [ዓይን] 15  ኵለን ኣዒንቲ ብተስፋ ናባኻ ይጥምታ፣ ንስኻ እውን ብግዜኡ ምግቦም ትህቦም።+ פ  [] 16  ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ተዕግብ።+ צ [ጻዴ] 17  የሆዋ ብዅሉ መገድታቱ ጻድቕ፡+ ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ድማ እሙን እዩ።+ ק  [ቆፍ] 18  የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡+ ንዅሎም እቶም ብሓቂ* ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ።+ ר  [ሬሽ] 19  ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡+ ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን።+ ש  [ሺን] 20  የሆዋ ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎ ይሕልዎም፣+ ንዅሎም እኩያት ግና ኬጥፍኦም እዩ።+ ת  [ታው] 21  ኣፈይ ውዳሰ የሆዋ ኺዛረብ እዩ፣+ ኵሉ ህያው* ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለመ ኣለም ይወድሶ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምርዳኡ ዘይከኣል።”
ወይ፡ “ሓይልኻ።”
ወይ፡ “ሰናይካ።”
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ብቕንዕና።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋ።”