ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 144:1-15

ትሕዝቶ

  • ዓወት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • “መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧” (3)

    • “ንጸላእቲ ፋሕ ኣብሎም” (6)

    • ህዝቢ የሆዋ ሕጉስ እዩ (15)

ናይ ዳዊት። 144  የሆዋ፡ እቲ ኸውሐይ፡+ እቲ ኣእዳወይ ንዂናት፡ ኣጻብዐይ ከኣ ንውግእ ዜሰልጥን፡+ ይወደስ።   ንሱ ብተኣማንነት ፍቕሪ ዜርእየንን ዕርደይን፡ እምባይን* መናገፍየይን፡ ዋልታይን መዕቈብየይን፡+ ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ ዜግዝኣኒ እዩ።+   ኦ የሆዋ፡ ንስኻ እተስተብህለሉስ ሰብ እንታይ እዩ፧ እተቕልበሉኸ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧+   ሰብሲ ንትንፋስ ይመስል፣+ መዓልትታቱ ኸም ዚሓልፍ ጽላሎት እየን።+   ኦ የሆዋ፡ ሰማያትካ ኣትሒትካ* ውረድ፣+ ንኣኽራን ተንኪኻ ኣትክኮ።+   በርቂ ኣብሪቕካ ንጸላእቲ ፋሕ ኣብሎም፣+ ፍላጻታትካ ወርዊርካ ኣሸብሮም።+   ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፣ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ* ጓኖት ኣናግፈንን ኣድሕነንን።+   ንሳቶምሲ ብኣፎም ሓሶት ይዛረቡ፣ ብሓሶት ኪምሕሉ ኸኣ የማነይቲ ኢዶም የልዕሉ።*   ኦ ኣምላኽ፡ ሓድሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ።+ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ፣ 10  ንነገስታት ዓወት* ዝሃብካ፡+ ንጊልያኡ ዳዊት ካብ ቀታሊ ሰይፊ ዘናገፍካ ንስኻ ኢኻ።+ 11  ካብ ኢድ ጓኖት፡ ካብቶም ብኣፎም ሓሶት ዚዛረቡ፡ ካብቶም ብሓሶት ኪምሕሉ የማነይቲ ኢዶም ዜልዕሉ ኣናግፈንን ኣድሕነንን። 12  ሽዑ፡ ኣወዳትና ኸምቲ ቐልጢፉ ዚበቍል ውልዶ ተኽሊ ኪዀኑ እዮም፣ ኣዋልድና ኸኣ ንቤተ መንግስቲ ኸም እተጸርበ ኣዕኑድ ኵርናዕ ኪዀና እየን። 13  ማዕከናትና ብዅሉ ዓይነት ፍረ ኺምላእ እዩ፣ ኣብ መሮር ዘለዋ መጓሰና ድማ ብኣሽሓትን ብኣእላፋትን ኪፋረያ እየን። 14  መላኣት ዝዀና ኣሓና ድንገት ኣይኪገጥመንን ወይ ኣይኬቘልዓን እየን፣ ኣብ ኣደባባያትና ኣውያት ኣይኪኸውንን እዩ። 15  ከምዚ ዚዀነሉ ህዝቢ ሕጉስ እዩ! የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውሑስ መዕቈብየይን።”
ወይ፡ “ኣድኒንካ።”
ወይ፡ “ቍጽጽር።”
ቃ.ቃ.፡ “የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ኢድ ሓሶት እያ።”
ወይ፡ “ኸዚመልካ።”
ወይ፡ “ድሕነት።”