ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 143:1-12

ትሕዝቶ

  • ከም ምድሪ ኣጻምእ ንኣምላኽ ምጽማእ

    • ‘ብዛዕባ ግብሪ ኣእዳውካ ኣጸቢቐ እሓስብ እየ’ (5)

    • “ፍቓድካ ኽገብር ምሃረኒ” (10)

    • ‘ጽቡቕ መንፈስካ ይምርሓኒ’ (10)

ናይ ዳዊት መዝሙር። 143  ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+ ናብ ልማኖይ ጽን በል። ብተኣማንነትካን ብጽድቅኻን መልሰለይ።   ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ ዝዀነ ህያው የልቦን እሞ፡+ ምስ ጊልያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።   ጸላእስ ይሰጕጐኒ ኣሎ፣* ንህይወተይ ናብ ምድሪ ደርብዩ ሓምሺሽዋ ኣሎ። ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ።   መንፈሰይ* ጠሊሙ፣+ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ደንዚዙ።+   ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ ንዅሉ ተግባርካ አስተንትነሉ፡+ ብዛዕባ ግብሪ ኣእዳውካ ድማ ብህንጥዮት ኣጸቢቐ እሓስብ* እየ።   ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ፣ ኣነስ ከምታ ንዓኻ ዝጸምአት ምድሪ ኣጻምእ እየ።*+ (ሴላ)   ኦ የሆዋ፡ ብርታዐይ* ተወዲኡ እዩ እሞ፡+ ቀልጢፍካ መልሰለይ።+ ገጽካ ኣይትኸውለለይ፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ ከምቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ክኸውን እየ።+   ብኣኻ እእመን* እየ እሞ፡ ንግሆ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣስምዓኒ። ናባኻ እየ ዘብል እሞ፡* ዝኸደላ መገዲ ኣፍልጠኒ።+   ኦ የሆዋ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። ዕቝባኻ እደሊ እየ።+ 10  ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ፍቓድካ ኽገብር ምሃረኒ።+ መንፈስካ ጽቡቕ እዩ፣ ብጥጡሕ ምድሪ* ይምርሓኒ። 11  ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ፡ ብህይወት ኣንብረኒ። ብጽድቅኻ ኻብ ጭንቂ ኣናግፈኒ።*+ 12  ኣነ ጊልያኻ እየ እሞ፡+ በታ ብተኣማንነት እተርእያ ፍቕርኻ፡ ንጸላእተይ ወድኣዮም፣*+ ንዅሎም እቶም ዜጨንቑኒ* ኣጥፍኣዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሰይ ይሰጕጓ ኣሎ።”
ወይ፡ “ሓይለይ።”
ወይ፡ “አጽንዕ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ከምታ ንዓኻ ዝጸምአት ምድሪ ኣጻምእ እያ።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሰይ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “እውከል።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ናባኻ አልዕል እየ እሞ።”
ወይ፡ “ብምድሪ ቕንዕና።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣናግፋ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ኣብሎም።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ዜጨንቕዋ።”