ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 141:1-10

ትሕዝቶ

  • ዕቝባ ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • ‘ጸሎተይ ከም ዕጣን ይኹን’ (2)

    • መግናሕቲ ጻድቕ ከም ዘይቲ (5)

    • እኩያት ናብ መርበቦም ይወድቁ (10)

ናይ ዳዊት መዝሙር። 141  ኦ የሆዋ፡ እጽውዓካ ኣለኹ።+ ቀልጢፍካ ንዓ እሞ ርድኣኒ።+ ክጽውዓካ ኸለኹ ኣቕልበለይ።+   ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እተዳለወ ዕጣን ይኹን፣+ እተላዕላ ኣእዳወይ ከኣ ከም ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ይኹና።+   ኦ የሆዋ፡ ንኣፈይ ዘብዐኛ ግበረሉ፣ ንኣፍ ደገ ኸናፍረይ ሓላዊ ግበረሉ።+   ምስ እኩያት ሰባት ኰይነ እኩይ ተግባራት ከይገብርሲ፡ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኪዝምብል ኣይትሕደጎ፣+ ኣነ እውን እቲ ጥዑም ምግቦም ኣይብላዕ።   ጻድቕ እንተ ዚወቕዓኒ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ምዀነ፣+ እንተ ዚገንሓኒ፡ ኣብ ርእሰይ ከም ዘይቲ ምዀነ፣+ ርእሰይ እውን ከቶ ኣይምኣበዮን።+ ብግዜ መዓቶም እኳ ገና ኽጽሊ እየ።   ፈረድቶም እኳ ኻብ ጸድፊ እንተ ጸደፉ፡ ቃላተይ ባህ ዜብል ብምዃኑ፡ ሰባት ኬቕልቡሉ እዮም።   ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚሓርሳን ዚፍርክሻን፡ ከምኡ ድማ ኣዕጽምትና ኣብ ኣፍ መቓብር* ፋሕ ኢሉ ኣሎ።   ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣዒንተይ ናባኻ እየን ዚጥምታ።+ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ። ንህይወተይ ኣይተጥፍኣያ።*   ካብ ምንጋጋ እቲ ዘጻወዱለይ መጻወድያ፡ ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይ ኣዕቍበኒ። 10  ኣነ ብደሓን ክሓልፍ ከለኹ፡ እኩያት ብሓባር ናብ መርበቦም ኪወድቁ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣይትኽዓዋ።”