ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 140:1-13

ትሕዝቶ

  • የሆዋ፡ ብርቱዕ መድሓኒ

    • እኩያት ከም ኣትማን እዮም (3)

    • ዓመጽቲ ኺወድቁ እዮም (11)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 140  ኦ የሆዋ፡ ካብ እኩያት ሰባት ኣናግፈኒ፣ ካብ ዓመጽቲ ሰባት ኣዕቍበኒ፣+   ንሳቶምሲ ብልቦም ክፉእ ይሓስቡ፡+ ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ግጭት የላዕሉ።   ልሳኖም ከም ናይ ተመን ይስሕሉ፣+ ብድሕሪ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።+ (ሴላ)   ኦ የሆዋ፡ ካብ ኣእዳው እኩያት ኣዕቍበኒ፣+ ካብቶም ኪሕንኵሉኒ ዚሓስቡ ዓመጽቲ ሓልወኒ።   ዕቡያት መጻወድያ ይሓብኡለይ፣ ብኣግማድ ገይሮም ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ይዝርግሑ።+ መፈንጠራታት ከኣ ይገብሩለይ።+ (ሴላ)   ንየሆዋ፡ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። ኦ የሆዋ፡ ንልማኖይ ጽን በሎ” እብሎ እየ።+   ኦ የሆዋ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ፡ ኣታ ብርቱዕ መድሓንየይ፡ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ።+   ኦ የሆዋ፡ ንእኩይ ከም ትምኒቱ ኣይትሃቦ። ልዕል ከይብሉስ፡ ውዲቶም ኪሰልጥ ኣይትሕደግ።+ (ሴላ)   ኣራእስ እቶም ዚኸብቡኒ በቲ ብኸናፍሮም ዚዝረብ እከይ ይጐልበብ።+ 10  ጓህሪ ኣብ ልዕሊኦም ይዝነም።+ ዳግም ከይትንስኡስ፡ ናብ ሓዊ፡ ናብ ዓሚቝ ጕድጓድ* ይደርበዩ።+ 11  ሓማዪ ኣብ ምድሪ ቦታ ኣይርከብ።+ ንሰብ ዓመጻ ኸኣ ክፉእ ይስዓቦምን የጥፍኣዮምን። 12  የሆዋ ንትሑታት ከም ዚጣበቐሎም፡ ንድኻታት ድማ ፍትሒ ኸም ዚህቦም እፈልጥ እየ።+ 13  ብርግጽ፡ ጻድቃን ስምካ ኼመስግኑ እዮም፣ ቅኑዓት ኣብ ቅድሚ ገጽካ* ኪቕመጡ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ማይ ናብ ዘለዎ ጐዳጕዲ።”
ወይ፡ “ኣብ ቅድሜኻ።”