ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 14:1-7

ትሕዝቶ

  • እንታይነት ዓሻ ተገልጸ

    • “የሆዋ የሎን” (1)

    • (3)(3)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። 14  ዓሻ ብልቡ፡ “የሆዋ የሎን” ይብል።+ ተግባሮም ብልሹው፡ ግብሮም ከኣ ፍንፉን እዩ፣ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን።+   የሆዋ ግና፡ ልቦና ዘለዎ፡ ንየሆዋ እውን ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፡ ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።+   ኵላቶም ኣልጊሶም፡+ ኵላቶም ብሓደ ተበላሽዮም እዮም። ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።   ገበርቲ ኽፉእዶ ኣይርድኡን እዮም፧ ንህዝበይ ከምቲ እንጌራ ዚብላዕ ገይሮም ይበልዕዎ። ናብ የሆዋ ኣይምህለሉን።   ግናኸ፡ የሆዋ ምስ ወለዶ ጻድቕ እዩ እሞ፡ ብዓብዪ ሽበራ ኺምልኡ እዮም።+   ኣቱም ገበርቲ ኽፉእ፡ ንውጥናት ትሑት ከተፍሽሉ ትፍትኑ፡ የሆዋ ግና ዕቝባኡ እዩ።+   ኣየ፡ ድሕነት እስራኤል ካብ ጽዮን እንተ ዚመጽእ!+ የሆዋ ንምሩኻት ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፡ ያእቆብ ይተሓጐስ፡ እስራኤል እውን ባህ ይበሎ።

እግረ ጽሑፍ