ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 138:1-8

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓላዪ እዩ

    • ‘ጸሎተይ መሊስካለይ’ (3)

    • ‘ካብ ማእከል ሓደጋ እኳ ኣናጊፍካኒ’ (7)

ናይ ዳዊት። 138  ብምሉእ ልበይ ክውድሰካ እየ።+ ኣብ ገጽ ኣማልኽቲ፡ውዳሰ ኽዝምር እየ።*   ንቓልካን ንስምካን ኣብ ልዕሊ ዅሉ* ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ተኣማንነትካን፡ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡+ንስምካ ኸኣ ክውድሶ እየ።+   በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ መሊስካለይ፡+ኣትቢዕካንን* ኣበርቲዕካንን ኢኻ።+   ኦ የሆዋ፡ ዘተስፎኻዮ ተስፋታት ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኺውድሱኻ እዮም።+   ክብሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኺዝምሩ እዮም።   የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ፣+ንዕቡይ ግና ካብ ርሑቕ ጥራይ እዩ ዚፈልጦ።+   ብማእከል ሓደጋ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ንስኻ ብህይወት ከተንብረኒ ኢኻ።+ ኣንጻር ቍጥዓ ጸላእተይ ኢድካ ትዝርግሕ፣የማነይቲ ኢድካ ኸተድሕነኒ እያ።   የሆዋ፡ ኵሉ ነገር ኪፍጽመለይ እዩ። ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፣+ንግብርታት ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣንጻር ኣማልኽቲ ዀይነ፡ ከዚመልካ እየ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንቓልካ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስምካ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣትቢዕካያን።”