ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 136:1-26

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዘለኣለም ይነብር እዩ

    • ንሰማይን ንምድርን ብኽእለት ገበሮ (5, 6)

    • ፈርኦን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሞተ (15)

    • ኣምላኽ ንእተደቝሱ ይዝክር (23)

    • ንዅሉ ህያው ይምግብ (25)

136  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፡+ ንሱ ድማ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+   ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ።+   ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ።   ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ ንሱ በይኑ ዓበይቲ ድንቂ ነገራት ይገብር እዩ።+   ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንሰማያት ብኽእለት* ገበሮ።+   ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዘርግሓ።+   ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ።+   ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንጸሓይ ብመዓልቲ ኽትገዝእ ገበራ።+   ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንወርሕን ንኸዋኽብትን ብለይቲ ኺገዝኡ ገበሮም።+ 10  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ በዅሪ ግብጺ ወቕዐ።+ 11  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ካብ ማእከሎም ኣውጽኦ።+ 12  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ብሓያል ኢድን+ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ከምኡ ገበረ። 13  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቐሎ።+ 14  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ብማእከሉ ኣሕለፎ።+ 15  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ደርበዮም።+ 16  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ መርሖም።+ 17  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ዓበይቲ ነገስታት ወቕዐ።+ 18  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ሓያላት ነገስታት ቀተለ። 19  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን ቀተሎ። 20  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንዖግ+ ንጉስ ባሳን ቀተሎ። 21  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ምድሮም ርስቲ ገይሩ ሃበ።+ 22  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንጊልያኡ እስራኤል ኣረስተዮ። 23  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ ተዋሪድና ኸለና ዘከረና።+ 24  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ካብ ተጻረርትና ብተደጋጋሚ ኣናገፈና።+ 25  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንዅሉ ህያው* ይምግብ እዩ።+ 26  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ሰማያት ኣመስግንዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ብኣእምሮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋ።”