ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 130:1-8

ትሕዝቶ

  • “ካብ መዓሙቝ እጽውዓካ ኣለኹ”

    • “ስሕተት ትቋመት ኔርካ እንተ ትኸውን” (3)

    • ምስ የሆዋ ናይ ሓቂ ይቕረታ ኣሎ (4)

    • “ንየሆዋ ተሃንጥየ ኽጽበዮ እየ” (6)

መዝሙር ምድያብ። 130  ኦ የሆዋ፡ ካብ መዓሙቝ እጽውዓካ ኣለኹ።+   ኦ የሆዋ፡ ድምጸይ ስማዕ። ኣእዛንካ ናብ ልማኖይ የቕልባ።   ኦ ያህ፡* ስሕተት ትቋመት* ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ኦ የሆዋ፡ መን ደው ኪብል ምኸኣለ፧+   ምእንቲ ኽትክበርሲ፡*+ ምሳኻ ናይ ሓቂ ይቕረታ ኣሎ።+   ብየሆዋ ተስፋ እገብር እየ፣ ኵለንትናይ ብእኡ ተስፋ ይገብር እዩ፣* ቃሉ ድማ እጽበ እየ።   ሓለፋ እቶም ንግሆ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡+ እወ ሓለፋ እቶም ንግሆ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡ ንየሆዋ ተሃንጥየ ኽጽበዮ እየ።*+   የሆዋ ብተኣማንነት የፍቅር እዩ፡+ ኪብጆ ዜኽእሎ ዓብዪ ሓይሊ እውን ኣለዎ እሞ፡ እስራኤል ንየሆዋ ይጸበዮ።   ንሱ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ስሕተቱ ኺብጀዎ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ትከታተል።”
ቃ.ቃ.፡ “ኽትፍራህሲ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብየሆዋ ተስፋ ትገብር እያ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ንየሆዋ ብሃንቀውታ ኽትጽበዮ እያ።”