ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 129:1-8

ትሕዝቶ

  • ኣጥቂዖምኒ፡ ግናኸ ኣይሰዓሩንን

    • ጸላእቲ ጽዮን ኪሓፍሩ እዮም (5)

መዝሙር ምድያብ። 129  “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዞም ብዙሕ ሳዕ ኣጥቂዖምኒ እዮም፣”+—ሕጂ እስራኤል ይበል፡—   “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዞም ብዙሕ ሳዕ ኣጥቂዖምኒ እዮም፣ግናኸ፡ ኣይሰዓሩንን።+   ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሓሪሶም፣ነግሕታቶም ኣንዊሖም።”   የሆዋ ግና ጻድቕ እዩ፣+ኣግማድ እኩያት በተኸ።+   ኵሎም እቶም ንጽዮን ዚጸልእዋ፡ኪሓፍሩን ብውርደት ኬንሳሕቡን እዮም።+   ከይተማሕወ ኸም ዚጽምሉሳዕሪ ናሕሲ ኪዀኑ እዮም፣   ንሱ ኢድ ዓጻዲ ዀነ፡ሕቝፊ ኣካቢ እንዳእቲ ዘይመልእ እዩ።   ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡“በረኸት የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፣ብስም የሆዋ ንባርኸኩም ኣለና” ኣይኪብሉን እዮም።

እግረ ጽሑፍ