ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 128:1-6

ትሕዝቶ

  • ንየሆዋ ምፍራህ ዜምጽኦ ሓጐስ

    • ሰበይቲ ኸም ፈራዪት ተኽሊ ወይኒ ትኸውን (3)

    • “ጽቡቕ የሩሳሌም ርአ” (5)

መዝሙር ምድያብ። 128  ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ብመገድታቱ ድማ ዚመላለስ ዘበለ ሕጉስ እዩ።+   ኣእዳውካ ዝጸዓራሉ ኽትበልዕ ኢኻ። ሕጉስ ክትከውን፡ ጽቡቕ እውን ኪዀነልካ እዩ።+   ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራዪት ተኽሊ ወይኒ ኽትከውን እያ፣+ደቅኻ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም እተተኽሉ ጨናፍር ኦም ኣውልዕ ኪዀኑ እዮም።   እንሆ፡ ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብከምኡ እዩ ዚባረኽ።+   የሆዋ ኻብ ጽዮን ኪባርኸካ እዩ። ኵለን መዓልትታት ህይወትካ፡ ጽቡቕ የሩሳሌም ርአ፣+   ደቂ ደቅኻ እውን ርአ። ሰላም ኣብ እስራኤል ይኹን።

እግረ ጽሑፍ