ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 126:1-6

ትሕዝቶ

  • ዜሐጕስ ምምላስ ጽዮን

    • “የሆዋ ዓብዪ ነገር ገይሩልና” (3)

    • ካብ ብኽያት ናብ እልልታ (5, 6)

መዝሙር ምድያብ። 126  የሆዋ ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፡+ንሓልም ዘለና መሲሉና ነይሩ።   ሽዑ፡ ኣፍና ብሰሓቕ፡ልሳንና ድማ ብእልልታ መሊኡ።+ ሽዑ፡ ኣህዛብ፡“የሆዋ ንዓታቶም ዓብዪ ነገር ገይሩሎም” ተባሃሂሎም።+   የሆዋ ዓብዪ ነገር ገይሩልና፣+ንሕና ኸኣ ተሓጒስና።   ኦ የሆዋ፡ ከም ወሓይዝ ነጌብ* ጌርካንምሩኻትና ምለሶም።   እቶም ብንብዓት ዚዘርኡ፡ብእልልታ ኺዓጽዱ እዮም።   እቲ ኸረጺት ዘርኢ ተሰኪሙብብኽያት ዚወፍር፡እንዳእቱ ተሰኪሙብርግጽ ብእልልታ ኺምለስ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባታት ደቡብ።”