ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 125:1-5

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ንህዝቡ የዕቍቦ

    • “ከምቲ ኣኽራን ንየሩሳሌም ዚኸብባ” (2)

    • “ሰላም ኣብ እስራኤል ይኹን” (5)

መዝሙር ምድያብ። 125  እቶም ብየሆዋ ዚእመኑ፡*+ከምታ ዘይትናወጽ፡ግናኸ ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።+   ከምቲ ኣኽራን ንየሩሳሌም ዚኸብባ፡+ካብ ሕጂ ንዘለኣለም፡የሆዋ ንህዝቡ ይኸብቦ።+   ጻድቃን፡ ዓመጻ ናብ ምግባር ከይዝምብሉስ፡*+ዘንጊ እከይ ኣብታ ንጻድቃን እተመደበት ምድሪ ኣይነብርን እዩ።+   ኦ የሆዋ፡ ንሕያዎትን ቅኑዕ ንዝልቦምን+ጽቡቕ ግበረሎም።+   ነቶም ናብ ጠዋይ መገድታቶም ዜልግሱ ግና፡የሆዋ ምስቶም ገበርቲ ኽፉእ ብሓባር ኬርሕቖም እዩ።+ ሰላም ኣብ እስራኤል ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዚውከሉ።”
ወይ፡ “ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸየብሉስ።”