ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 124:1-8

ትሕዝቶ

  • “የሆዋ ምሳና እንተ ዘይነብርሲ”

    • ካብ እተሰብረ መጻወድያ ኣምሊጥና (7)

    • ‘ስም የሆዋ ረዲኤትና እዩ’ (8)

መዝሙር ምድያብ። ናይ ዳዊት። 124  “የሆዋ ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡”+ —ሕጂ እስራኤል ይበል፡—   “የሆዋ ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡+ ሰባት ኬጥቅዑና ምስ ተንስኡ፡+   ቍጥዓኦም ኣብ ልዕሌና እናነደደ ኸሎ፡+ ብህይወት ከለና ምወሓጡና።+   ሽዑ፡ ማያት ምወሰደና፣ ውሒዝ ብልዕሌና* ምወሓዘ።+   ዚናወጽ ማያት ምወሓጠና።*   እቲ ኣደዳ ኣስናኖም ክንከውን ኣሕሊፉ ዘይሃበና የሆዋ ይወደስ።   ንሕና ኻብ መጻወድያ ሃዳናይ ከም ዘምለጠት ዑፍ ኢና፣*+ እቲ መጻወድያ ተሰይሩ፡ ንሕና ኸኣ ኣምሊጥና።+   ረድኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ የሆዋ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብልዕሊ ነፍስና።”
ወይ፡ “ንነፍስና ምወሓጣ።”
ወይ፡ “ነፍስና ኻብ መጻወድያ ሃዳናይ ከም ዘምለጠት ዑፍ እያ።”