ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 123:1-4

ትሕዝቶ

  • ሞገስ ንምርካብ ናብ የሆዋ ምጥማት

    • ‘ከም ግዙኣት ናብ የሆዋ ንጥምት ኣለና’ (2)

    • “ንዕቀት እምብዛ በዚሑና” (3)

መዝሙር ምድያብ። 123  ኣታ ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን እትቕመጥ፡ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ።   ከምቲ ኣዒንቲ ገላዉ ናብ ኢድ ጐይታኦም፡ኣዒንቲ ገረድ ድማ ናብ ኢድ እመቤታ ዚጥምታ፡ከምኡ ኸኣ ኣዒንትና፡ ንሱ ሞገሱ ኽሳዕ ዜርእየና፡ናብ የሆዋ ኣምላኽና ይጥምታ ኣለዋ።   ንዕቀት እምብዛ በዚሑና እዩ እሞ፡ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየና፡ ሞገስ ኣርእየና።   ላግጺ እቶም ብርእሶም ዚተኣማመኑንንዕቀት ዕቡያትን እምብዛ በዚሑና ኣሎ።*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍስና እምብዛ በዚሕዋ ኣሎ።”